Saturday, June 25, 2016

መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘለዎ ዕዳ 36.6 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበፅሐ ተገሊፁ።



መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ናይ መወዳእታ 2015 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ጀሚሩ ዘለዎ ጠቕላላ ዕዳ 36.6 ቢልዮን ዶላር ከም ዝበፅሐ ዝገለፀ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ እዚ ድማ ናይታ ሃገር ዕዳ መጠን ምስ ጠቕላላ ሃገራዊ ምህርቲ እንትነፃፀር፣ ናብ 55 ሚኢታዊት ዝበፅሕ እንትኸዉን፣ ካብቲ ዘፅደቖ ባጀት ዉሽጢ ንመኽፈሊ ዕዳ ዝምደብ ገንዘብ እናወሰኸ ከም ዝመፅአ ተፈሊጡ። 

ን2009 ዓ/ም ካብ ዝተትሓዘ ባጀት 274 ቢልዮን ብር፣ መንግስቲ 14 ቢልዮን ንመኽፈሊ ዕዳ ከም ዝመደቦ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ናይ ኢትዮጵያ ወፃኢ ዕዳ መጠን ናብ 20 ቢልዮን ዶላር ከባቢ ከም ዝኾነን ናይቲ ዕዳ መጠን ናይታ ሃገር ጠቕላላ ዓመታዊ ምህርቲ 30 ካብ ሚኢቲ ከም ዝሽፍንን እቲ ንልቓሕ ዝኽፈል ናይ ወለድ መጠን ልዑል ከም ዝኾነ ዝገለፁ ናይ ምጣነ ሃፍቲ ሰብ ሞያ ብወገኖም፣ ናይታ ሃገር ጠቕላላ ዕዳ እናወሰኸ ከም ዝመፀ ኣብ ዕቤት ኢኮኖሚ ኣሉታዊ ተፅዕኖ ከም ዘሕደረ የረድኡ።

ኣብ 2008 ዓ/ም ጥራሕ መንግስቲ ካብ ባንኪ ዓለም ዝተለቅሖ ዕዳ 1.8 ቢልዮን ዶላር እንትኸዉን፣ ንመንግስቲ ቻይና ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣለቃሕቲ ኣካላት ልዑል ገንዘብ፣ ብልቓሕ ምቕራቦም ንምፍላጥ ተኻኢሉ። ባንኪ ዓለም ኣብዚ ተታሒዙ ዘሎ በጀት ዓመት፣ ንኢትዮጵያ ዘለቅሖ ገንዘብ ካብቲ ናይ ቅድሚ ሕዚ እንትነፃፀር፣ ብመጠኑ ልዑል ኮይኑ ከም ዝተመዝገበ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።        


No comments:

Post a Comment