Saturday, June 25, 2016

መዓልቲ ሰማእታት ትግራይ ብዝተፈላለዩ መደናገርቲ ሜላታት ተሸፊኑ ከም ዝሓለፈ ክፍለጥ ተኻኢሉ።



እቲ  ን17 ዓመታት መመላእታ ዝሓለፈ መስተንክራዊ ፅንዓትን ጅግንነትን ዝተኸፎሎ መስዋእትን ስንክልናን ክሒዶም ናብ ተግባራት ግዕዚናን ውልቀ ናብራን ዘምርሑ መራሕቲ ህወሓት፣ ነቲ ፍረ ቃልሱን መስዋእቲ ደቁን  ግቡእ ክብርን መርድእን ዝጠለምዎ ጅግና ተቓላሳይ ህዝቢ፣ ዓመት ዓመት ብጉልባብ ዝኽሪ ሰማእታት እናበሉ ኣብ ባይታ ትርጉም ዘለዎ ስራሕ ከይሰርሑ እናዳናገሩ መፂኦምን ኣሎውን።

ናይዚ መቐፀልታ ድማ ኣብዚ ዓመት ንመበል 28 ግዜ ንምኽባር ኣብ ኣዳራሽ ሓወልቲ ሰማእታት ብምትእኽኻብ ነቲ ዕለት ከደናግሩ ይኽእሉ እዮም ዝተብሃሉ ጭርሖታትን ኪነ-ጥበባዊ ደርፍታት ቀሪቦም ድሕሪ ምጉያል ኣብቲ ዕለት ተረኺቡ መደረ ዘስመዐ ዶ/ር ኣዲስ ኣለም ባሌማ ሳላ ልምዓታውን ዴሞክራስያውን መንግስትና ዝተረኸበ ሰላምን ልምዓትን ሰማእታትና ቀሲኖም ክነብሩ እዮም ምስበለ፣ ቀፂሉ ድማ ኣብ ቅልጡፍ ዕብየትን ለውጥን ዘላ ክልልናን ሃገርናን ብዝሓየለ ንምቕፃል ሕድሪ ሰማእታትና ኣፅኒዕና ክንምርሽ ኢና ብምባል በቲ ንድራር ዕለት ንምርካብ ዝፅገም ዘሎ ኣብዛሓ ህዝቢ ከላግፁ ተራእዮም እዮም።

ዕላማ ቃልሲ መላእ ህዝቢ ትግራይ ግን ዓመት መፀ ብዝሓንጠጣ ብጣስ ወረቐት ኣብ መድረኽ ወፂኡ ኣብ ባይታ ዘረአን ዘይትግበርን ቃላት ኣስሚዑ ሕድሪ ሰማእታትና ኣይነዕብርን ኢሉ ጨሪሑ መድረኽ ዝኸፍት መራሒ ክረክብ ዘይከነስ ፣እቶም ዝተቓለሰሎም ኩሎም መትከላት ከይተሸራረፉ ብዝግባእ ክረክብን ክኸብርን እዩ ነይሩ።ስለዚ እቲ ዝሓለፈ ሮቡዕ15 ሰነ ንመበል 28 ግዜ ዝተብዓለ መዓልቲ ዝኽሪ ሰማእታት ትግራይ ነቲ ፍረ ቃልሱን መስዋእቲ ደቁን  ዝተኽሓደ ተቓላሳይ ህዝቢ ነቲ ዝነደረ ቁስሉ ዝነክእ ደበስ ሰማእታትና ምርግጋፅ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን እዩ ብዝብል ጭርሖ ተሸፊኑ ክሓልፍ ተገይሩ ‘ሎ።

 

 

No comments:

Post a Comment