13
ሰነ 2008 ዓ/ም ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ ብዝተላዕለ ተቓዉሞ ምኽንያት፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሃረር ካብ ሃረር ናብ ኣዲስ ኣበባ
ዝወስድ መንገዲ ብኣእማን ብምዕፃዉ፣ ናይ ትራንስፖርት ኣገልግሎት ተቛሪፁ ዝወዓለ እንትኸዉን፣ ኣድማ በተንቲ ፖላዊስ ካብ ሃረር
ናብ ጨለንቆ ብምምራሕ፣ ናብ ህዝቢ ጠያይቲ ብምትካስ፣ ነቲ መገዲ ዝኸፈትዎ እኳ እንተኾኑ፣ እቲ ተቓዉሞ ግን ብዘይ ምቁራፅ ከም
ዝቐፀለ ተሓቢሩ።
ካብቶም
ፖላዊስ ብዝተተኾሰ ጥይት ድማ ሳብሪና ዓብደላ ዝተብሃለት ጓል ኣንስተይቲ ናይ 10ይ ክፍሊ ተማሃሪት ብምቕታላ
እቲ ተቓዉሞ ከም ዝተጋደደን በዚ ድማ ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስ ካብ ሃረር ብምምፃእ ነቲ ተቓዉሞ ብሓይሊ ክኣልይዎ ብምፍታን ንግዚኡ
ቁፅሩ ዘይተፈለጠ ህዝቢ ጉድኣት በፂሕዎ ምህላዉ ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።
No comments:
Post a Comment