Saturday, June 25, 2016

ኣብ ጨለንቆ ብዝተላዕለ ተቓዉሞ ህዝቢ ናይ ትራንስፖርት አገልግሎት ኣብቲ ዕለት ተቛሪፁ ከም ዝወዓለ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



13 ሰነ 2008 ዓ/ም ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ ብዝተላዕለ ተቓዉሞ ምኽንያት፣ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ሃረር ካብ ሃረር ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝወስድ መንገዲ ብኣእማን ብምዕፃዉ፣ ናይ ትራንስፖርት ኣገልግሎት ተቛሪፁ ዝወዓለ እንትኸዉን፣ ኣድማ በተንቲ ፖላዊስ ካብ ሃረር ናብ ጨለንቆ ብምምራሕ፣ ናብ ህዝቢ ጠያይቲ ብምትካስ፣ ነቲ መገዲ ዝኸፈትዎ እኳ እንተኾኑ፣ እቲ ተቓዉሞ ግን ብዘይ ምቁራፅ ከም ዝቐፀለ ተሓቢሩ።
ካብቶም ፖላዊስ ብዝተተኾሰ ጥይት ድማ ሳብሪና ዓብደላ ዝተብሃለት ጓል ኣንስተይቲ ናይ 10 ክፍሊ ተማሃሪት ብምቕታላ እቲ ተቓዉሞ ከም ዝተጋደደን በዚ ድማ ተወሳኺ ሓይሊ ፖሊስ ካብ ሃረር ብምምፃእ ነቲ ተቓዉሞ ብሓይሊ ክኣልይዎ ብምፍታን ንግዚኡ ቁፅሩ ዘይተፈለጠ ህዝቢ ጉድኣት በፂሕዎ ምህላዉ ካብቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።    

No comments:

Post a Comment