Tuesday, June 21, 2016

ኣብ ከተማ ዉቕሮ ብናይ ኤሌትሪክ ገመዳትን ፓሎታትን ብዝስዕቡ ዘለዉ ሓደጋታት፣ ኣሰቃቒ ብዝኾነ መንገዲ ህይወት ዜጋታት ይጠፍእ ከም ዘሎ ተገሊፁ።



ብ10 ሰነ 2008 ዓ/ም ኣብ ከተማ ዉቕሮ ደንጎሎ መናፈሻ ኣብ ዝተባህለ ከባቢ ብዘጋጠመ ናይ ኤሌትሪክ ምብታኽ ሓደጋ፣ 6 ደቂ ኣንስትዮን 3 ደቂ ተባዕትዮን ብጠቕላላ 9 ወገናት ብቕፅበት ህይወቶም እንትሓልፍ፣ ሓንቲ ህፃን ሓዚላ ዝነበረት ኣደ ድማ ካብቲ ከቢድ ሓደጋ ብህይወት ከም ዝተረፈት ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እዚ ሓደጋ እዚ ኣብታ ከተማ ቀሊል ዝናብ ይዘንበሉ ኣብ ዝነበረ ስዓት ክልተ ፓሎታት ብምዉዳቖም ብዘስዓቦ ናይ ኤሌትሪክ ገመድ ምብታኽ ዘጋጠመ ሓደጋ እንትኸዉን፣ በዚ ድማ ህዝቢ ከተማ ዉቕሮ ኣዝዩ ከም ዝሓዘነን፣ ሕዚ 'ዉን እቲ ናይ ኤለክትሪክ ገመዳትን ፓሎታትን ውሕስነት ክህበሉ ዝኽእል ግቡእ ምትዕርራይ ስለ ዘይተገበረሉ እቲ ሓደጋ ዳግም ከይኽሰት ህዝቢ ኣብ ከቢድ ስግኣት ከም ዝርከብ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።  
እዚ ከምዚ ዝበለ ሓደጋ ኣብ ዝሓኣለፈ ወርሒ ካብ ዉቕሮ ብኣንፈት ምዕራብ እትርከብ በዓቲ ዓኾር ኣብ ዝተብሃለት ጣብያ ብናይ ኤሌትሪክ ምቅፃል ሓደጋ ምኽንያት፣ 4 ሰባት ብቐጥታ እንትሞቱ ልዕሊ 30 ዝኾኑ ነበርቲ ድማ ብኸቢድ ተጎዲኦም ናብ ሆስፒታል ከም ዝኣተዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ እዞም ሓደጋታት እዚኣቶም ድማ፣ ናይ መብራህቲ ሓይሊ ትራንስፎርመራትን ናይ ኤሌትሪክ ገመዳት ብልሽትን ናይ ፓሎታት ኤሌትሪክ ብምእራጎም ፅሬት ብዘይ ምህላዎምን፣ ኣብ ልዕሊ ህይወት ሰባትን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ከም ዘብፅሐ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣብ ከተማ ዉቕሮን ከባቢኣን ዝርከብ ሓይሊ መብራህትን መሳርሒታቱን 4 ሚልዮን ዶላር ዝተኸፍሎ ኮይኑ እዚ ድማ ፅርየት ዘይብሉ ብምዃኑ ናይ ገንዘብ ክሳራን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብቐጥታ ኮነ ብተዘዋዋሪ ልዑል ዝኾነ ኣሉታዊ ተፅዕኖ ይፈጥር ከም ዘሎን በዚ ድማ ስርዓት ኢህወዴግ ተሓታቲ ከም ዝኾነ ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ምግላፅ ምህላዎም ተገሊፁ።


No comments:

Post a Comment