Tuesday, June 28, 2016

ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ዝስዕብ ዘሎ ናይ መናእሰይ ቅትለት ዘተሓሳሰቦም ወገናት ሰላማዊ ሰልፊ ከም ዘካየዱ ተገሊፁ።



ኣብ ከተማ ሻሸመኔ በቢግዚኡ መንነቶም ብዘይተፈለጡ ሰባት ዝቕተሉ ዘለዉ መናእሰይ እናተበራኸተ ብምምፅኡ፣ ነቲ ተግባር ብምቅዋም ኣብታ ከተማ ብ15 ሰነ 2008 ዓ/ም ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ነበርቲ ከተማ ሻሸመኔ ዝኾኑ ተማሃሮ "ናይ ለይቲ መቕተልቲ ደዉ ይበል" ደም ወገናትና ምፍሳስ ይትረፍ" ብምባል ውዕውዕ ሰለማዊ ሰልፊ ከም ዘካየደ ተፈሊጡ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም ዘረድኦ፣ ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ኣብዚ ቀረባ እዋን መናእሰይ ብምሸት ብበሊሕ ነገር ተወጊኦም ይቕተሉ ከም ዘለዉ ብምግላፅ፣ እቶም ናይቲ ቅትለት ፈፀምቲ ከም ዘይተትሓዙን፣ እቶም ዝተቐተሉ መናእሰይ ድማ ምስቲ ናይ ኦሮሞ መናእሰይ ምንቅስቓስ ምትእስሳር ኣለዎም ተባሂሉ ይግለፅ ብምህላዉ፣ እቲ ዝረአ ዘሎ መቕተልቲ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ኣለዎ ዝብሉ ወገናት ከም ዘለዉን፣ በዚ ዝተበገሰ ድማ እቲ ናይ ተቓዉሞ ሰለማዊ ሰልፊ ብናይ ኢህወዴግ ፌደራል ፖሊስን ናይ ኣግኣዚ ሰራዊትን ድብደባ ዝተፈፀሞም ብርክት ዝበሉ ወገናት ከም ዘለዉ፣ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።       

No comments:

Post a Comment