Tuesday, June 28, 2016

ኣብ ሴሜን ሊባኖስ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ወገን ዓርሰ ቅትለት ፈፂማ ከም ዝተረኸበት ተፈሊጡ።




እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከም ዘረድኦ፣ ኣብ ሰሜን ሊባኖስ ዝርከብ ግዝኣት ዛካርታ ኣብ ዝተብሃለ ቦታ፣ ሓንቲ ኢትዮጵያዊት ናይ ገዛ ሰራሕተኛ ባዕላ ዓርሰ ቅትለት ከም ዝፈፀመት ድሕሪ ምግላፅ፣ እታ ዜጋ ጂ ጅዲ ዝተብሃለት እንትኸዉን፣ ኣብቲ እትሰርሓሉ ገዛ መርዚ ሰትያ ነብሳ ከም ዘጥፍአት ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ኣስዒቡ፣ እዛ ኢትዮጵያዊት ዜጋ ዓርሰ ቅትለት ክትፍፅም ዝደፋፍኣ ምኽንያት፣ እንታይ ከም ዝኾነ ፖላዊስ ነቲ ፍፃመ ይምርምርዎ ከም ዘለዉ ብምግላፅ፣ ናብ ማእኸላይ ምብራቕን ናብ ካልኦት ቦታታት ብባርነት እናተሸጡ ዝዉሰዱ ኢትዮጵያዉያን ኣሕዋትና ብጨካናት ኣስራሕቶም ዝበፅሖም ግፍዕን ናይ ጭካነ ተግባርን ነብሶም ንምጥፋእ ዝተገደዱ ዜጋታት ብርክት ዝበለ ቁፅሪ ከም ዘለዎም፣ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።



No comments:

Post a Comment