Saturday, June 25, 2016

ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ጣብያ ኣዝመራ ዝርከቡ መናእሰይ፣ ብጉጅለ ተወዲቦም ብሕጋዊ መንገዲ ዝተውሃቦም መሬት ሰሪሖም ናብራኦም ንኸይመርሑ ስለ ዝተኸልከሉ፣ መረረቶም ኣብ ምግላፅ ከም ዝርከቡ ክፍለጥ ተኻኢሉ።



ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ፣ ኣብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ደጉዓ ተምቤን ጣብያ ኣዝመራ ዝርከቡ መናእሰይ ብጉጅለ ተወዲቦም ብሕጋዊ መንገዲ ዝተውሃቦም መሬት ምህርቲ ብምፍራይ ንባዕሎምን ንቤተሰቦምን ንዓመታት ዝጥቀምሉ ዝነበሩ ናይ ሕርሻ መሬቶም፣ ኣመሓደርቲ ናይቲ ጣብያ ብዘይ ብቑዕ ምኽንያትን ተለዋጢ መሬትን ስለ ዝወረስዎም ምስ ቤተ-ሰቦም ኣብ ከቢድ ፀገም ወዲቖም ከም ዘለው ተፈሊጡ።

እቶም መናእሰይ  ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ኢ-ፍትሓዊ ኣሰራርሓ ንኽስተኻኸልን እናልምዑ ክጥቀምሉ ዝፀንሑ መሬቶም እኹል ካሕሳ ንኽውሃቦምን 10 ተወከልቶም ሰባት ብምልኣኽ፣ ብተደጋጋሚ ካብ ጣብያ ክሳብ ዞባ ብምኻድ ጥርዓኖም እኳ እንተቕረቡ ካብ ድኻም ሓሊፉ ግን ግቡእ መልሲ ክውሃቦም ስለ ዘይካኣለ ናብ ስደት የምርሑ ምህላዎም እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።



No comments:

Post a Comment