Sunday, August 14, 2016

ኣብ ክልል ኣምሓራ ወልድያን ደሴን ዉጥረት ነጊሱ ከም ዘሎን ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ድማ ይእሰሩ ምህላዎምን ተፈሊጡ።



ኣብ ደቡብ ወሎ ኣብ ከተማ ደሴ ዝርከቡ ዜጋታት ነቲ ኣብ ክልል ኣምሓራ ይካየድ ዘሎ ተቓዉሞ ንምቅፅፃል ተሓስቡ ኣለኹም ብዝብል ሰበብ፣ በቢ ከባቢኡ ዝርከቡ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ብዕጡቛት ባኣዴን/ኢህወዴግ ይእሰሩ ከም ዘለዉ ዝገለፀ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ በዚ ድማ ነበርትን ዓበይቲ ዓድን ደቅና ብዘይ ወዓልዎ ጥፍኣት ተኣሲሮም ይሳቐዩ ኣለዉ ብምባል፣ ኣብ ልዕሊ እቲ ስርዓት ተቓዉምኦም የስምዑ ከም ዘለዉ ይግለፅ ኣሎ።
ነቲ ናይ ምእሳር ተግባር ይፍፅምዎ ዘለዉ ድማ ተኣመንቲ ናይቲ ስረዓት ዝኾኑ ካድረታት ናይቲ ከባብን ካብ ካልእ ቦታ ብዝመፁ ዕጡቓትን ብሓባር ብምዃን ንህዝቢ እቲ ከባቢ ብፍላይ ድማ ንመናእሰይ ኣብ ምእሳርን ምፍርራሕን ተዋፊሮም ከም ዘለዉ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።


No comments:

Post a Comment