Friday, August 5, 2016

ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ወረዳ ታሕታይ ቆራሮ ዝርከቡ ኣምሓደርቲ፣ ኣብ ጉዳይ መሬት ናይ ሰናይ ምምሕዳር በደል ይፍፅሙ ኣለዉ ክብሉ ነበርቲ ጣብያ ሃፍቶም ገሊፆም።



ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ጣብያ ሃፍቶም ዝርከቡ ብሕርሻ ዝነበሩ ወገናት፣ ንዓመታት ብሕጋዊ መንገዲ ተቐቢሎም ግብሪ እናኸፈሉ ክሓርስዎ ዝፀንሑ መሬቶም ከም ዝተሓደጉ ዝገለፀ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፣ እቲ ምኽንያት ድማ ኣምሓደርቲ ናይቲ ከባቢ ምስ ልዕሊኦም ብጥቕሚ ዝተኣሳሰሩ ብምዃኖም፣ ሕጋዊ መሬት ሓረስቶት ዘይግብኣኩም መሬት እዩ ብምባል፣ እናሕደጉ ጉቦ ንዝኸፍልዎም ሰባት ይዕድልዎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

እቶም መሬቶም ዝተመንጠሉ ወገናት ከም ዝገለፅዎ ድማ፣ ኣብዚ ናይ ክራማት ወቕቲ መሬትና ሓሪስና ቀለብ ዓመትና ከይንረክብ ኣምሓድርቲ ዕንቅፋት ኮይኖምና ኣለዉ ምስ በሉ፣ ስለምንታይ ግብሪ እናኸፈልና ፀኒሕና ሕዚ ኣይግብኣኩምን ትብሉና፣ ብመሰረቱ 'ዉን ዘይግብኣና መሬት ኣይሓዝናን፣ መሬትና ይለካዕ ኢሎም ኣብ ዝሓተትሉ እዋን፣ ኣይንልክዕን ዝብል መልሲ ዝሃብዎም እንትኾኑ፣ በዚ ድማ ናብ ጥርዓን ሰማዒ ይግባይ ዋላ'ኳ እንተበሉ ዝሰምዕ ኣካል ክረኽቡ ከም ዘይክኣሉ፣ ነበርቲ ጣብያ ሃፍቶም ገሊፆም።

ነበርቲ እታ ጣብያ ወሲኾም ከም ዝገለፅዎ፣ ኣምሓደርቲ ዞባን ወረዳን ምስ ዓደልቲ መሬት ብምሽራኽ፣ ዘቕረብናዮ ሕጋዉን ቅንዑን ናይ መሬት ጥርዓና ተዓፊኑ፣ ኣምሓደርቲ ንስንሳቶም ብጥቕሚ ተኣሳሲሮም ሕብረተሰብ ይጎድኡ ከም ዘለዉን፣ ኣብ ጣብያ ሃፍቶም ዓቢ ዝኾነ ናይ ሰናይ ምምሕዳር በደል ይፍፀም ምህላው፣ ካብቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።

 

No comments:

Post a Comment