Wednesday, October 12, 2016

ህልቂት ዜጋታት ንኽዛሪ ፣ኩሉ ዓይነት ቃልስና ነሐይል!!



     ብሄርን ብሄረ ሰባትን ህዝብታትን ሃገርና፣ ካብ ምንጋጋ እቲ ብደው ዝበስበሰን ዝሞተን ኣረሜናዊ ስርዓት ንምንጋፍ፣ ዝግበር ዘሎ ኩለ መደያዊ ቃልሲ፣ ለይቲ ምስ መዓልቲ ረዚን ዋጋ ኣብ ምኽፋል ተፀሚዶም ኣሎው።
    እዚ ፀረ ህዝቢ ስርዓት እዚ ብዘይ ድልየት ህዝቢ ብሓይሉ፣ ደም ህዝቢ እናማፀየ ኣብ ስልጣን ንኽነብር ከካይዶም ዝፀነሐን ዘሎን ኩሉ ዓይት ምንቅስቓሳት እናፈሸሉ በቲ ሓደ፣ በቲ ኻልእ ድማ ህዝብታት ሃገርና ሰላም፣ ፍትሒ፣ ዴሞክራስን ሰናይ ምምሕዳርን ክረኽቡ ንዓመታት ተፀብዮም ፍታሕ ኣብ ዝሰኣነሉ እዋን፣ ብመንገዲ ሕገ-መንግስታዊ መሰሎም ተጠቒሞም ኣብ ኣደባባይ ወፂኦም ድምፆም ዓው ኣቢሎም ከየስሙዑ ኩሉ ዓይነት መንገዲ ሰለማዊ ቃልሲ ተዓፅዮም እዮም።
   ብምዃኑ ድማ ህዝብና ን 25 ዓመታት ዝኣክል ኣብ ልዕሊኡ ክወርዶ ዝፀንሐን ዘሎን ማእለያ ዘይብሉ ግፍዕታት፣ ንሓንሳብን ንሓዋሩን ብቓልሱ ከብቅዕ ኣንፃር ደመኛታቱ ብዘካይዶም ዘሎ ናይ እምቢታን ኣይንግዛእን ተቓውሞታት ኣብ ክንዲ ግቡእ ፍታሕ ምንዳይ ሓይልታት ፀፅታ እናዋፈረ ኣብ ልዕሊ ኑፁህ ወገን ብኣልማማ ጠያይቲ እናተቐዘፈ ኣብ ማእኸል ጎደና ደም ከልቢ ኮይኑ ሂወቱ ክተርፍ መዓልታዊ ፍፃመ ኮይኑ ኣሎ።
   ናይዚ ኣብነት ክንርኢ ከለና ናይ ርሑቕ ኣፅኒሕና ኣብ ዝሓለፈ ዓመትን ሕዝን ጥራሕ ብወሳናይ መልክዑ ምጥቃስ ይከኣል። በዚ መሰረት ድማ ፀረ ህዝቢ ጉጅለ ኢህወደግ ከምቲ ሉማዱ ካብታ ዝፈርሓ ናይ ህዝቢ መፃወድያ ንምምላቕ ክብል ዝኣለማ ወፍሪ ሰናይ ምምሕዳር ከይጀመራ ኣብ ወርሒ ሕዳር ብምኽንያት ማስተር ፕላን ብህዝቢ ኦሮሞ ዝተልዓለ ህዝባዊ ናዕቢ ተጎሃሂሩ ብምቕፃሉ ሂወት ኣማኢት ኑፁሃት ወገናት ኣብ ፈቖዶ ጎደናታት ወዲቖም ክተርፉን ብኣሸሓት ድማ እናተገረፉ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ክዳጎኑ እናገበረ መፂኡን ኣሎን።
   እዚ ተቓውሞ እዚ ዘላቒ መፍትሒ ከይረኸበ ብድጉሉ ይቕፅል ኣብ ዘለሉ እዋን ድማ በቕ ህልም እናበለ ሂወት ዜጋታት እናበለዐ ይርከብ ኣሎ። እዚ ከም ዘሎዎ ኮይኑ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ወርሒ ሓምለን ንሓሰን ኣብ ጐንደርን ባህሪዳርን ጀሚሩ ኣብ መላእ ክልል ኣምሓራ ኣንፃር እቲ ጨቋኒ ስርዓት ኢህወደግ ዝተባረዐ ህዝባዊ ተቃውሞታት ስዒቡ ማእለያ ዘይብሎም ተወለድቲ እቲ ክልል ኣብ ፍቖዶ ጎደናታት ብጠያይቲ ክረግፉ ኪኢሎም እዮም ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ብሰንኪ እቲ ስርዓት ዝዘርኦ ከፋፋሊ ፖሊስን ኣረኣእያን ዝወለዶ ንዓመታት ተኸባቢሮምን ተመሓዝዮምን ኣብቲ ክልል ክነብሩ ዝፀንሑ ተወልድቲ ትግራይ ዝኾኑ ወገናት፣ ኣብ ልዕሊኦም ዘነፃፀረ መጥቃዕቲ ክወርዶም ብምኽኣሉ፣ ቁፅሮም ዘይነዓቑ ሂወቶም ክሓልፉን ክቖስሉን ብምኽኣሎም ስዒቡ፣ ካብ ገዛእ ሃገሮም ከም ካልኣይ ዜጋ እናተፈናቐሉ ናብ  ክልሎም ክኣትው ይራኣዩ ኣለው።
    ብተመሳሳሊ ኣብ ቢሄር ብሄረ ሰባትን ህዝብታት ደቡብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ብሄረሰብ  ኮንሶ ሕገ_መንግስቲ ብዝፈቐዶ መሰረት ናይ ምምሕዳር ሕቶኦም ንዓመታት ኣቕሪቦም መልሲ ብምስኣኖም ዝተልዓለ፣ ብመንገዲ ሰላማዊ ሰልፊ ቁጥዖኦም ስለ ዝገለፁ ጥራሕ ሞትን፤ማእሰርትን መግረፍትን እናበፀሖም ከም ዘሎ ዝፍለጥ እዩ።
    እዝን ካልእን ፖሎቲካዊ ነውፅታትን ቅርሕንትን መፍትሒ ከይረኸቡ እናሃለው ድማ ተሃድሶ ብዝብል መዝሙር ኣብ ዘስመዐሉ እዩ እምበኣር እቲ ብዕለት 22 መስከረም 2009 ዓ/ም ኣብ ክልል ኦሮሞ ከተማ ቢሾፍቱ ባህላዊ በዓል ኢሬቻ ብድሙቕ መንገዲ ንምኽባር ብሙሌናት ዝቑፀር ህዝቢ ኣብ ዝተረኸበሉ ግዜ ኢህወደግ ከም ልማዱ ብርክት ዝበለ ዕጡቕ ሓይሊ ናብቲ በዓል ዝኽበረሉ ቦታ ብምልኣኽ ራዕድን ሽበራን ክፈጥር ብምኽኣሉ ፣ህዝቢ ድማ ኣብ ባህላዊ በዓል ኢሬቻና ዝኾነ ይኹን ናይ መንግስቲ ኢድ ኣታውነት ኣየድልን፤ባህላዊ በዓልና ብሰላም ክነኽብር ልቐቑልና ብምባሉ ጥራሕ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ኣድራጋ ጠያይቲ ክዘንብን ብኣማኢት ዝቑፀሩ ንፁሃት ወገናት ብገደል ክፀድፉን ተፀቒጦም ሂወቶም ክስእኑን ምኽንያት ኮይኑ እዩ።
  እዚ ዝወለዶ ሓያል ቁጠዐ ህዝቢ ድማ ናብ ኩሉ ከብታት ተስፋሕፊሑ ይቕፅል ብምህላው መዓልታዊ ኣንፃር እቲ ኣረሜናዊ ስርዓት ፅልኢቱ ብሕራነ ናብ ኣደባባይ ፈንጢሑ ብምውፃእ መስዋእትን መቑሰልትን እናኸፈለ ይርከብ ኣሎ።ስለዚ ህዝብና ዝደለዮ ዴሞክራስን ህዝባዊ መንግስትን ኣብ ዝሓፀረ ንምርግጋፅ ኩሉ ዓይነት ቃልስና ነበርትዕ ንብል።


No comments:

Post a Comment