Sunday, October 30, 2016

ነበርቲ ዴንቨር ኮሎራዶ ተጋሩ ብኣኹም ኣዚና ተሓቢንና!!



ነበርቲ ዴንቨር ኮሎራዶ ተጋሩ፤ ብኣኹም ኣዚና ተሓቢና! ኣብ መላእ ዓለም ንዘለዉ ተጋሩ ኣብነት ኢኹም፤ ንስኻትኩም ዝወላዕኹምዎ ሽግ ጅግንነት፣ ሓቅነት፣ ህዝባውነት ንቡር ባህሊ ተጋሩ ናብ ኩሉ ዓለም ክባራዕ እዩ፤ ኣብዚ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ክልተ ከተማታት አሜሪካ እዩ ዘተ ሰበ-ስልጣን ህ.ወ.ሓ.ትን ተጋሩ ኣብ ሰሜን አሜሪካን ተሳሊጡ፣ እቲ ሓደ ኣብ ላስ ቬጋስ ዝተሳለጠ ኾይኑ ዶ/ር ኣዲስ ኣለም ባሌማን ዶ/ር ከንደያን ዝመርሑዎ ነይሩ፤

እቲ ካልአዋይ ድማ ኣብ ዴንቨር ኮሎራዶ ዝተኻየደ ኮይኑ ኣቶ ኣለም ገብረዋህድን ኣቶ ጊደና ኣበበ (ናይ ማይ ኢንተርፕራይዝ ትግራይ ሓላፊ ይመስለኒ) ዝመርሑዎ ነይሩ፣ ኣብ ሕድሕድ ስቴት ኣብ ዝካየዱ ኣኼባታት ዝሳተፍ ሰብ ብቶም ነናይ ከባቢኡ መተሓባበርቲ ዝፅዋዕ ኮይኑ ናይ ውድብ ኣባል ወይ ደጋፊ እዩ ተባሂሉ ዝእመነሉ ሰብ (ወዲ ገዛ) እዩ ዝጽዋዕ፡፡ ናይ ዴንቨርን ላስ ቬጋስን እውን ካብኡ ዝተፈለየ ኣይነበረን፡፡

እቲ ኣኼባ ምስተጀመረ ዝተርኣየ ግን ሰበ-ስልጣን ህ.ወ.ሓ.ት ፈፂሞም ዘይተፀበዩዎ እዩ ነይሩ- ብፍላይ ድማ ኣብ ዴንቨር! ኣብ ዴንቨር ዝነብሩ ገሊኦም ኣብ ቀረባ ዓማውቲ ናብ ኣሜሪካ ዝኸዱ፣ ገሊኦም ኣብ ውሽጢ ህ.ወ.ሓ.ት ናይ ሓላፍነት ቦታ ዝነበሮም፣ ገሊኦም ዋላ ብዙሕ ዓመት ኣብ ኤሜሪካ ይንበሩ ልቦም ኩሉ ኣብ ዓዶም ዝኾነ፣ ኩነታት ዓዶም ብቕርበት ዝከታተሉ፣ ኩሉ ዓይነት ሰብ እዩ፣ ግን ድማ ኩሉ ንዓዱ ፅቡቕ ዝምነ ትግራዋይ ነይሩ፡፡
ኣቶ ኣለም ገብረዋህድ መንፈስ እቲ ኣኼባ ካብቲ ዝተፀበዮ ኣዝዩ ተፈልዩ እዩ ረኺቡዎ፡፡ ሰበ-ስልጣን ህ.ወ.ሓ.ት ናብ ኣሜሪካ፣ ኣውሮፓ ከይዶም ድላዮም ኩውንን ዘይኩዉንን ተዛሪቦም፣ ቃሕ ዝበሎም ቁፅሪ ፀዊዖም፣ ትግራይ ወርቂ ብወርቂ ጌርናያ ኢሎም፣ ተተሳተፍቲ እቶም ጉባኤታት ድማ ኣንጨብጪቦምን ኣሞጊሶምን ክልእኽዎም እምበር ዝርዝር መረዳእታ ብሕቶ ከፋጥጡዎም ብዙሕ ዝተለመደ ኣይኮነን፡፡
ንዑ ድማ እዩ ዝመስለኒ እቶም ሰበ-ስልጣን እውን ግቡእ ምድላው እንተይገበሩ እዮም ተረኺቦም፡፡ ዳርጋ ምንም ዝሓዝዎ ዳታ፣ ዝኾነ ጭቡጥ መረዳእታ ኣይነበረን፤ ንነብሶም ክንዲ ሰማይ ዝገብሩዋ ሰበ-ስልጣን ህ.ወ.ሓ.ት እቲ ሓፋሽ “እንታይ እሞ ከይፈልጥ እዩ!” ዝብል ሕዱር እምነቶም ገና ብዙሕ ዋጋ ከኽፍሎም እዩ፡፡

እቲ ተሳታፊ ዳርጋ ኣብ ትግራይ ዘሎ ፀገም ኩሉ ኣልዒሉ ሓቲቱዎ እዩ፤
ዝርዝሩ እነሆ፤
1, ት.እ.ም.ት ናይ መን እያ፤ ናይ ህዝቢ እንተኾይና ንምንታይ ህዝቢ ብቐጥታ ብተወከልቱ ዘየመሓድራ፣ ንምንታይ ብማእኸላይ ኮሚቴ ህ.ወ.ሓ.ት ትመሓደር፤ ኣብ ዝሓለፉ 20 ዓመታት ዝተኣከበ ገንዘብ ናበይ ከይዱ? ብ10 ዓመት ድሒሩዎ ዝተወድአ ፕሮጀክት መስኖ ቆቦ እኳ ስራሕ ካብ ዝጅምር ዓመታት ተቖፂሮምስ እቲ ናትና ጎልጎል ራያ 20 ዓመቱ ንምንታይ ክሳብ ሐዚ ዘይተሰርሐ? ኣበርገለኸ ንምንታይ ተዓንጺሉ ተሪፉ?
2, ፕሮጀክታት ፌደራል መንግስቲ ኣብ ትግራይ እንትበጽሑ ንምንታይ እዮም ዝዕንፀሉ፣ ንምንታይ ንድሕሪት ይጉተቱ ወልቃይት ሹኮር ፋብሪካ ንምንታይ ካብ ኩለን ፋብሪካታት ሃገርና ንድሕሪት ተጎቲቱ፤ እታ ሓንቲ ግድብ እያ ሰለይ ትብል ዘላ እምበር እቶም ካልኦት ዋና ስራሕቲ እቲ ፕሮጀክት ገና ኣይተጀመሩን ይበሃል፤ ንምንታ?ይ እቲ ባቡር መስመርከ ንምንታይ ክንድዚ ተጎቲቱ?
3, ተከዘ ቁጽሪ ክልተ ነዚ ኩሉ ዓመታት ኣውሪኹምሉ ንምንታይ ተረሲዑ? ትግራዋይ ብዝኸዶ ተውቅዑዎ ኣለኹም፤ ብስሩ ንስኹም እንድሕር ዘይትከላኸሉሉ፣ ተውቅዑዎን ብሞቱ ፖለቲካዊ ትርፊ ክትረኽቡ ትህቅኑን እንተኾይንኩም እዚ ህዝቢ ድማ መን ኣለዎ፣ “መፃኢ ትግራይ ኢንዳስትሪን ቱሪዝምን እዩ” ክበሃል ንሰምዕ ኢና፤ እቲ ኣብ መሬት ዘሎ ሓቂ ግን ዕቤት ኢንዳስትሪ ትግራይ ካብ ክልላት ሀገርና ንዓፋር ጥራሕ በሊፁ ካብ ታሕቲ ካልኣይ እዩ ዘሎ፤ ንምንታይ?
4, ኣብ ቀረባ ፌደራል መንግስቲ ሚኒስትሪ መስኖን ኢነርጂን ኣብ ዝቕጽሉ 5 ዓመታት 105 ግድብ ከም ዝሰርሕን፤ ትግራይን ዓፋርን ድማ ካብቲ ትልሚ ወጻኢ ምዃነን ተገሊፁ እዩ፤ ንምንታይ? ካብ 2000 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ትግራይ ብዙሓት ቀላሚኖታት ክስርሓ እየን ይብሃል ነይሩ፤ ኩሉ ብዘረባ ተሪፉ፤ ንምንታይ? ትግራይ ካብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ብስደት ኣብ ቁጽሪ ሓደ እያ ዘላ፤ ንምንታይ እዩ መንእሰይ ትግራይ ብኣልማሚት ዝስደድ ዘሎ?

5, ትግራይ ብምቁራጽ ትምህርቲ፣ ብጎደና ሓደር ኣብ ቅድሚት እያ ዘላ፤ ንምንታይ? ትግራይ ብመዳይ ፅሬት ትምህርቲ ንተኸታተልቲ ብዙሓት ዓመታት ኣብ መወዳታ እያ ዘላ፤ ናይ ትግራይ ከተማታት ስራሕ ስእነት ካብ ናይቲ ሃገር እውን ኣዝዩ ዝዛየደ (19.4 % ) እዩ፤ ትግራይ ብመዳይ ሕዱር ሕጽረት ምግቢ ህጻናት ካብ መላእ ሃገር ድሕሪ ዓፋር እያ ዘላ፤ 44 % ህጻናት ትግራይ ብሰንኪ ሕዱር ሕጽረት ምግቢ ደኽዲኾም እዮም፤ ንምንታይ?

6, ህዝቢ ትግራይ ናይ ሕሶት ዳታ እናተመገበ እዩ ዝነብር ዘሎ፤ ጠምዩዎ ንዝሓድር ህዝቢ ዘየሎ ናይ ሕሶት ቁፅሪ እናምጻእኻ ፍሉይ ረብሓ ዝረክብ ዘሎ ክመስልን ምስ ካሊእ ኢትዮጵያውያን ኣሕዋቱ ክቀሓሓርን ትገብሩዎ ኣለኹም፤ ኣብ ትግራይ እምነ ኩርናዕ ክስረት እምበር ናብ ተግባር ክሸጋገር፣ ፕሮጀክት ተፈፂሙ ክምረቕ ርኢና ኣይንፈልጥን፤ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምውዳብ፣ ሓሳቡ ናይ ምግላፅ መሰሉ ተዓፊኑ እዩ ዝነብር ዘሎ፤ ክሳብ መዓዝ?
7, ብዙሓት ህጻናት ተምሃሮ ሎሚ እውን ኣብ ዳስ እዮም ዝመሃሩ ዘለዉ፤ ኣብ ትግራይ ክራይ ኣካብነት ፖለቲካል ኢኮኖሚ ዓብላልነት ረኺቡ እዩ፤ እቲ ሲሰተም ካብ ርእሱ ክሳብ ጭፍሪ እግሩ corrupt እዩ፤ ምስ ብኣዴን ዘለኩም ህሉው ርክብ እንታይ ይመስል ኣብ ጎንደር፣ ደባርቅን ካልኦት ከባብታት ኣምሓራን ንበረቶም ዝተቓፀሎም ተጋሩ ካሕሳ ንምሃብ እንታይ ምንቅስቓስ ይግበር ኣሎ?
8, ሓደሽቲ መናእሰይ ናብ መሪሕነት ኣይተምጽኡን ዘለኹም፤ እቶም እተምጽኡዎም ውሑዳት እውን መመዘኒኦም “መን ዓቕሚ ኣለዎ፣ መን ንዓዲ ይሰርሕ ዘይኮነስ መን እሙን ሓሽከር ይኸውን፤ መን ዝበልናዮ ሰሚዑ ይሓድር” ዝብል እዩ፤ ሓረስታይ ትግራይ ሎሚ እውን ከምታ ቅድሚ ሽሕ ዓመት ዝነበራ ብብዕራይ ይሓርስ ኣሎ፤ ሐዚ ልዕሊ ዓቐን ዝኾነ መዳበርያ ክገዝእ ብምግዳድ ኣብ ርእሲ ፀገሙ ፀገም ትውስኹሉ ኣለኹም፤ ኣብ ስራሕቲ መስኖ ኣብ ወረቐት ኣመዝጊብናዮ ትብሉዎ ለውጢ ኣብ መሬት ዘየለ እዩ፡፡

9, ናብ ትግራይ ኣሽንኳይዶ ሓደሽቲ ኢንቨሰተራት ክትስሕቡስ፤ እቶም ዘለዉ እውን ብግብሪን ብሕማቕ ቢሮክራሲን ሰንሰን ኢሎም ናብ ካልኦት ክልላት ክኸዱ ትገብሩ ኣለኹም፤ ንምንታይ እያ ትግራይ ንኢንቨስተራት፣ ብፍላይ ድማ ንተጋሩ ኢንቨስተራት ዕሾኽ ትኸውን ዘላ? ብዙሕ ብዙሕ ተሓቲቱ…. ኣብ ጥዕና፣ ገጠር መሬት፣ ዓንቀፅ 39፣ GTP-II፣ ብዙሓት ኣዋጠርቲ ሕቶታት ኣዮም ቀሪቦም፣
ብፍላይ ሓደ ኣቦ ዝሓተትዎ ሕቶ ከም ኩሉ ግዘ ንሳቶም ተዛሪቦም፤ ህዝቢ ኣጣቒዑ፣ ኣሞጋጊሱ ክስንዮም ንዝተጸበዩ ሰበ-ስልጣን ህ.ወ.ሓ.ት ብድንጋጸ ክፈዙ ዝገበረ እዩ፤ “ዋላ ህዝቢ ትግራይ ዓው ኢሉ ኣይዛረቦ እቲ መረረት፣ በደል፣ ጭቆና፣ ሕሰም፣ ድኽነት፣ ስርቂ፣ ሕሶት ኣብ ትግራይ ይገድድ፤ ኣብ ካልኦት ክልላት ህዝቢ መረረቱ ኣብ ኣደባባይ እናገለጸ፣ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ እናገበረ ህዝቢ ትግራይ ብሕጭ ክብል ዘይከኣለ ንምንታይ ይመስለካ?” ዝብል ሕቶ ነይሩ፡፡ ክቡራት ተኸታተልትና ትሕዝቶ ናይዚ ደብዳቤ ንሎሚ ኣብዚ ጠጠው ክነብሎ እሞ ኣብ ዝመፅእ ረቡዕ ድማ ኣብ 2ይ ክፋሉ ኣቶ ኣለም ንዝሃብዎም ኣገረምቲ መልስታት ሒዝናልኩም ክንምለስ ኢና፣






ነበርቲ ዴንቨር ኮሎራዶ ተጋሩ
ብኣኹም ኣዚና ተሓቢንና!!
2ይ ክፋል

ኣቶ ኣለም ንቶም ሕቶታት እንትምልሱ ብተደጋጋሚ “ኣብ ትግራይ ተኣምራዊ ለውጢ እዩ ተመዝጊቡ፤ ክትኮርዑ ይግበአኩም፣ ከተመስግኑና ይግበአኩም” ክብሉ ይስምዑ ነይሮም፡፡ እንትቕፅሉ ድማ እንትቕፅሉ “ዳርጋ መብዛሕቴኦም ዝበሃሉ ዘለዉ ነገራት ሕሶት እዮም፤ እዚ ኩሉ ዳታ ካበይ ከም ዘምጻእኹምዎ ኣይፈልጥን፤

ንግዚኡ ዝረዝር ዳታ የብለይ፣ ግን ዝበዝሕ ሕሶት እዩ” ይብሉ እሞ ኣብ ኩሎም ዓውዲታት ተኣምራዊ ለውጢታት ከምዝመፁ ይገልፁ፡፡ ንመብዛሕቲኡ ሕቶታት ህዝቢ ፤ “እቲ ዝተብሃለ ጌጋ እዩ፣ ኣብቲ መዳይ ተኣምራዊ ለውጢ እዩ ተራእዩ” መልሶም እዩ፡፡ ኣቶ ኣለም ምስቲ ጉባኤተኛ ሙሉእ ንሙሉእ ዝተሰማምዑሉ ኣብ ትግራይ ክራይ ኣካብነት ተስፋሕፊሑ ብዛዕባ ምህላዉ ጥራሕ እዩ፡፡

ካብቲ ብዙሓት ዝገርሙ መልስታት ሰበ-ስልጣን
ንገሊኦም ኣሕፂረ ከቕርብ፤

1, ኣብ ትግራይ ተኣምራዊ ለውጢ እዩ ዝመፅእ ዘሎ፤ ኣብ ኩሉ ዓውዲ ተኣምራዊ ውጽኢት ኢና ነመዝግብ ዘለና፤ ክትኮርዑ ይግበአኩም! ኣብ ዝኾነ ገጠር ትግራይ ልዕሊ 15 ደቒቓ ተጓዒዙ ዝመሃር ህጻን የለን! ስታድየም ትግራይ ተወዲኡ እዩ! (እግዚኦ በሉ!)

2, GTP-I ኣብ ትግራይ ዳርጋ ሚእቲ ብሚእቲ ተሳኺዑ እዩ! ኣብ መላእ ትግራይ ኣብ ዓመት 70 ኣዴታት እኳ ኣይሞታናን! ገባራትና ሚልየነራት ይኾኑ ኣለዉ እዩም፤ ዘይተለወጠ ገባር የለን፤ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት እምነ-ኩርናዕ ተሰሪቱሉ ወይ ተጀሚሩ ዝተቛረፀ ፕሮጀክት ፈፂሙ የለን፤ (እግዚኦ በሉ ደቂ ትግራይ)

3, ናይ 105 ግድባት ህንፀት ዝብል ትልሚ ፌደራል መንግስቲ የለን፣ ወረ እዩ! ሓደሽቲ ቀላሚኖታት ክንውስኽ ዝብል ትልሚ ኣይሓዝናን፣ ኣይወፀናን! ብጽሬት ትምህርቲ ትግራይ ካብ ኣዲስ ኣበባ ቀፂላ ብሃገር ካልኣይ እያ! ፕሮጀክት ጎልጎል ራያ ብሰንኪ ዋህዲ በጀት እዩ ተቛሪፁ ዘሎ፤ ኣብ ትግራይ ናይ ሚድያ ነፃነት፣ ናይ ምውዳብ ነፃነት፣ ሙሉእ ዲሞክራሲ ተረጋጊፁ እዩ፤ ኣቱም ሰባት ርሑቕ ዓዲ መሐሰዊ ክባሃልስ ለካ ሓቂ ክንድዚ ሓሶት ርእየ ኣይፈልጥን፣ ብዝኾነ ክቕፅል፣-

4, ኣብ ትግራይ ተኣምራዊ ለውጢ ይረአ ኣሎ! ተጋሩ መናእሰይ ዝስደዱ ዘለዉ ፅጋብ እዩ፤ ስራሕ ስለዘማርጹ እዩ! ኣብ ትግራይ ኢንዳስትሪ ይስፋሕፋሕ ኣሎ እዩ፤ ኢንቨስት ክገብር ንዝደለየ ድማ ሓንጎፋይ ኢልና ኢና እንቕበሎ! እቲ ሓዱሽ ወለዶ ናብ መሪሕነት ነምጽእ ኣለና ኢና! ት.እ.ም.ት ናይ ህዝቢ ትግራይ ኢያ፤ ማእኻላይ ኮሚቴ እንተመርሖ እውን ያው ብደቁ፣ ብተወከልቱ ተመሪሑ ማለት እዩ!

5, ህዝቢ ትግራይ ደቁ ስለዝኾንና ኮፍ ኣቢሉ ይምዕደና እምበር ናብ ኣደባባይ ወጺኡ ገመናና ክቐልዐና ኣይደልን፣ እንተደልዩ ግን እቲ በሪ ክፉት እዩ፤ ተኣምራዊ ለውጢ፣ ተኣምራዊ ዕቤት፣ ንዓለም ዘደመመ ዕቤት፣ ተኣምራዊ ለውጢ፣ ተኣምራዊ ለውጢ….. ዝበዝሑ ሕቶታት ግን እንተይመለሱዎም ተሪፎም….
ብዝገርም ኩነታት ንመሪሕነት ህ.ወ.ሓ.ት እቲ ዝለመድዎ መወድስ ዘቕረበትሎም ሓንቲ ትግራወይቲ ጥራሕ ነይራ፡፡ ኣቶ ኣለም ገብረዋህድ ንቶም ሕቶታት እናቆናፀቡ እናደጋገሙ “ከምቲ እከለ ዝበለቶ ተኣምራዊ ለውጢ እናተመዝገበ እዩ፣ ከምቲ ክስቶ ዝበለቶ ተወንጪፍና ኢና፣ ከምቲ ክስቶ ዝበለቶ…” ክብሉ ዝተዓዘቡ ዓበይቲ ኣኼበኛታት

“ህዝቢ ትግራይ ዘድልዮ፣ ንዓኻትኩም እውን ዝጠቕመኩም ኣጉል መወድስ ዘቕርብ ዘይኮነስ ጌጋታት ክእረሙ፣ ህዝቢ ክርባሕ ኢሉ ዝርዝር መረዳእታ ሒዙ፣ ክእረሙ ኣለዎም ኢሉ ዝኣመነሎም ሕቶታት ዘቕርብ ሰብ እዩ፤ ከምቶም ሎምዓንቲ ዝረኣናዮም ኣዝዮም በላሕቲ፣ ግዱሳት ተጋሩ እዮም ክበረታትዑ ዘለዎም፤ ብዘይሰራሕኻዮ መወድስ ዘቕርበልካ ፈታዊኻ ኣይኮነን፤ ስለዚ ግብዝነት እንተዝተርፈኩም” ኢሎም መኺሮም፡፡

ኣብ መወዳእታ፣ እቶም ሰበ-ስልጣናት ዝመስሎም ምስተዛረቡ እቲ ኣኼበኛ “ዝተረፉ ሕቶታት፣ ዘይበርሁልና መልስታት፣ ከይተመለሱ ዝተረፉ ሕቶታት ኣለዉና፣ ዕድል ይወሃበና” ኢሉ፤ “ወዲእና ኢና” ተባሂሉ ተኸሊኡ፤ እቶም መተሓባበርትን ቁሩባት ተኣመንትን ንድሕሪት ክተርፉ ተነጊሩዎም እቲ ዋዕላ ብዚ ተበቲኑ፡፡ ዋዕላ ዴንቨር ብከምዚ ሓሊፉ ኣሎ! ዴንቨር ኮሎራዶ፤ ኮሪዕና! የቐንየልና!

Tigrai Online ኣብቲ ዋዕላ ተረኺቡ ብሙሉኡ ብቪድዮ ቐሪፁዎ እዩ፤ ወገን ናይ ህዝቢ ትግራይ እየ ዝብል እንተኾይኑ እቲ ዝቐረፆ እንተይቆራረፀ ኣብቲ ዌብሳይቱ ይጠቅዐልና እሞ ኩሉ እቲ ሓቂ ክንፈልጦ፡፡ እንተዘይኮይኑ መተዓዛዘቢ ክኾነና እዩ፡፡

ናይ AigaForum – ዓይጋ ፎረም ተወካሊ ንምንባሩ ርግፀኛ ኣይኮንኩን፤ ዓይጋ ፎረም ብዛዕባ እቲ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ ላስቬጋስ ዝተኸየደ ዋዕላ ዜና ሰሪሑ ብዛዕባ ናይቲ ዴንቨር ግን ክሳብ ሐዚ ምንም ኣይበለን፡፡ ዓይጋ ፎረም “ህዝባዊ ሚድያ እየ” ዝብል እንተኾይኑ ኣብ ዴንቨር ዝተሳለጠ ኣዝዩ ውዕዉዕን ጠቓምን ዋዕላ ሙሉእ ቪድዮ ኣሊሹ ከቕርበልና ይላቦ፤ እንተዘይኮይኑ ግን መተዓዛዘቢ እዩ፡፡

ኣብ ዝኾነ ዓለም ዘለኹም ተጋሩ፣ ምስ ሰበ-ስልጣን ህ.ወ.ሓ.ት ዝህልወኩም ዝኾነ ዓይነት ዘተ ከምቲ ናይ ዴንቨር ንህዝቢ ዝረብሕ፣ ንዓዲ ዝረብሕ፣ ንህሊናኹም እውን ዘቕስን ግበሩዎ፤ ንቲ ድምፁ ዝተዓፈነ ህዝብኹም ድምጺ ኩኑዎ፤ እዛ ዓዲ፣ እዚ ህዝቢ ፅቡቕ የለዉን፤ እታ መርከብ እውን ካብ ምጥሓል ኣድሕኑዋ፡፡ ኣብ ካልእ ኣጋጣምታት ብህወሓት ኣብ ዝፅውዑ ኣኼባታት ተሳተፍቲ ዝኾንኩም ተጋሩ፣ ዋዕላ ዴንቨር መርኣያ ይኹንኩም፣ ኣባኹም ዓብዪ ተስፋ ኣለና፡፡ ኣብ ህልውና ሕዝቢ ትግራይ ንምርጋፅ ዝግበር ዘሎ ናይ ህዝቢ ምንቅስቓስ ኣጃምኩም ክትገብሩ ንላቦ፣

ዴንቨር- ምልክት ናይ ወለዶታት ቅብብል ጅግንነት፣ ትብዓት፣ ሓቅነት፣ ህዝባውነት ንቡር ባህሊ ተጋሩ! ኩሉ ኣብ መላእ ዓለም ዘሎ ትግራዋይ ንዚ ውሽጣዊ ኣወንታዊ ናይ ድሕነት ቃልሲ ኣጠንኪሩ ይቐፅለሉ!

ዘ-ፃኣት ካብ ዴንቨር ኮሎራዶ



1 comment:

  1. You are only talking about the short comings in Tigray to the Weyane dictators. What about the revolution of the Ethiopian People going on in all corner of the motherland Ethiopia. Norrow-minded Tigrians worried only the people of Tigray. What about the other Ethiopian people suffered and killed by the Weyane Agazi army in daylight that is condemned by the world? With out democracy and justice development is unthinkable. Tigreans you have to line up with the Ethiopians struggle. God bless Ethiopia.

    ReplyDelete