Monday, October 31, 2016

ኣብ'ዚ ሰሙን እዚ ካብ ዝተፈላለየ ከባቢታት ሃገርና ንስርዓት ኢ.ህ.ወ.ዴ.ግ ብቅዋም ክቃለሱ ዝወሰኑ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዴ.ም.ህ.ት ከም ዝተፀንበሩ ወኪል ክፍሊ ታዕሊም ካብ ዝሰደደልና ሓበሬታ ንምርዳእ ተኻኢሉ።




   ብመሰረት ሓበሬታ ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት. ካብ ግዜ ናብ ግዜ  ካብ ዝተፈላለዩ  ከባቢታት ሃገርና ብቑፅሪ ብርክት ዝበሉ መናእሰይ ናብቲ መኣዲ ቃልሲ ይፅንበሩ ከም ዘለዉ  ድሕሪ ምግላፅ፣ መቐፀልታ ናይዚ ከዓ ኣብዚ ሰሙን እዚ ነቲ ኣብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ፖለቲካዊ  ቕልውላው ንምፍታሕ ነቲ ስርዓት ተቋዊሞም እቲ እንኮ መፍትሒ ብረታዊ ቃልሲ ምዃኑ ብምእማን ናብ ክፍሊ ታዕሊም  ደ.ም.ህ.ት ከም ዝተፀንብሩ ተገሊፁ።

 ካብቶም ናብ ክፍሊ ታዕሊም ዝተፀንበሩ መናእሰይ ዝተወሰኑ ንምጥቃስ ...
 
1. መምህር ፅጋቡ ኣብርሃ ካብ ዘቦ ምብራቕ ትግራይ፣ ወረዳ ጉለምኻዳ፣ ጣብያ ቕልዓት ኣብ መቐለ ዩንቨርስቲ ኣብ ሞያ መምህርነት ዝሰርሕ ዝነበረ።
2. በያን ተኽሉ ካብ ዞባ ማእኸል ትግራይ ወረዳ ኣሕፈሮም ጣብያ ሆያ።
3. ተስፋይ ሓጎስን ሳሙኤል ግደይን ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮፕ ጣብያ ዓገረ ለኹማ።
4. ፀሃየ ኣርኣያ ካብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ጉለ-መኸዳ ጣብያ ኣዲስ ኣለም ከምእዉን ምሕረት ኣለማ ካብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ ወረዳ ኢሮፕ ጣብያ ወረዓትለ ዝርከብዎም ከምዝኾኑ ተሓቢሩ ።

   ንሳቶም ናብ  ዉድብ ዴ.ም.ህ.ት ተፀንቢሮም ክቓለሱ ዝወሰንሉ ምኽንያት እንትገልፁ፣ መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብፍላይ ካዓ ህዝቢ ትግራይ ኣብ 'ዚ ሐዚ እዋን ብሰንኪ እቲ አብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት ካብቶም ካልኦት ብሄራት ክንፀል ይገብር ብምህላዉን ብሓፈሻ ድማ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ይወርድ ንዘሎ ህልቂት ንምውጋድ ቃልሲ ከምዝመረፁ ገሊፆም።

ብፍላይ ድማ መ/ር ፅጋቡ ኣብርሃ ኣብ መቐለ ዩንቨርስቲ ሌክቸረር ኮይኑ ይሰርሐሉ ኣብ ዝነበረ  እዋን ዝርእዮ ዝነበረ ናይ  ፅሬት ት/ቲ ፀገም እንትገልፅ፣ ተምሃሮ ዩንቨርስቲ ሃገርና ዘድሊ ብቕዓት ጨቢጦም ከም ዘይወፁን ብሓፈሻ ፅሬት ትምህርቲ ሃገርና ድማ ዝተዳኸመ ከም ዝኾነን ኣረዲኡ።





No comments:

Post a Comment