Friday, November 4, 2016

ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ልዕሊ 200 ዝኾኑ ብኮምቴ ዝተወደቡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ጐሊሑ ዘሎ ናይ ዜጋታት ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰል ጥሕሰትን ጉድለት ፍትሒን ኣመልኪቶም ናይ ሓባር መግለፂ ኣውፂኦም።



ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ ኣብ ዘለሉ እዋን ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ብስርዓት ኢህወደግ ዝፍፀም ዘሎ  ቅትለት፤ ማእሰርትን ስቅያትን ከምኡ እውን ጥሕሰት ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ኣመልኪቶም፣ እዞም ልዕሊ 200 ዝኾኑ ኣብ ወፃኢ ዝርከቡ ብኮምቴ ዝተወደቡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝሃብዎ ናይ ሓባር መግለፂ፣

ኣብ ሃገርና ዘሎ ናይ ፖለቲካ፤ ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ፀገማት ክንፈትሖ ንኽእል ንሕና ኢትዮጵያውያን ጥራሕ ኢና ድሕሪ ምባል፣ ናይ ወፃኢ መንግስትታት ንኣንባገነን ስርዓት ኢህወደግ ዝገብርዎ ናይ ገንዘብን ዲፕሎማሲን ሓገዛት ደው ከብልዎ ሓቲቶም።

ኣብ መወዳእታ ሃገራት ወፃኢ፣ ዜጋታት ብኣልማሚት እናጨፍጨፈ ክሃልቁ ንዝገብር ዘሎ ኣረሚነ ስርዓት ዓገብ ክብላን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢህወደግ ፀቕጢ ክገብራን ከም ዝለወን ኣብቲ ዘውፅእዎ ናይ ሓባር መግለፂ ከም ዝሓተቱ ተፈሊጡ።





No comments:

Post a Comment