Friday, November 4, 2016

ሰራዊት ወያነ ኢ.ህ.ወ.ደ.ግ ኣብ ምዕራብ ጎጃም ከተማ ጢስ ኣባይ ብ22 ጥቅምቲ 2009 ዓ/ም ሓደ መንእሰይን ኽልተ ደቂ ኣነስትዮን ከም ዝቐተሉ ይግለፅ ኣሎ።



ቅድሚ ሐዚ ኣብ ልዕሊ ክልተ ናይ ድህንነት ኣባላት ተኲሱ  ብዝብል ክድለ ዝፀንሐ ታፈረ ቢሻው ዝተብሃለ ሓረስታይ ንምሓዝ  ፈተነ ዝገበሩ እቶም ወተሃደራት ክልተ ደቂ ኣነስትዮ እንትቐትሉ እቲ ሓረስታይ ድማ ሓደ ኣባል ፌደራል ፖሊስ ቀቲሉ ከም ዘመለጠ ተፈሊጡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ወታደራት እቲ ስርዓት ቅድሚ ወርሒ ኣብታ ከተማ ተኻይዱ  ኣብ ዝነበረ ተቓውሞ ሓለቓ መናእሰይ  ኮይኖም   ዝተመርፁ ኣቶ ምክሩ ብርሃኑ ንምሓዝ ኣብ ዝተገበረ ናይ ተኹሲ ልውውጥ ሓደ ወታሃደር  ምስ ኣቑሰሉ ተቐቲሎም። እቶም ወታሃደራት እቲ ኣስካሬን ንኸይለዓል ብምኽልካሎም ናይ ኣይተ ምክሩ ኣስካሬን  ንሰዓታት ኣብ ኣደባባይ ተሰጢሑ ከም ዝፀንሐ ነበርቲ እታ ከተማ ገሊፆም።

ኣይተ ምክሩ ቅድሚ ሰሙን አብ ዝተገበረ ናይ ህዝቢ አኼባ አነ ነዚ ዘለኒ ዕደመ አይጭነቅን ንባዕልኹም ነፃ ንምዉፃእ እትደልዩ መናእሰይ ከትዉደቡ ትኽእሉ ኢኹም እንተነአሰ ሓምሽተ መናእሰይ ከዕጥቅ ይኽእል እየ ዝብል ዘረባ ምቅራቦም ስዒቡ፣  ናይቲ ከተማ ህዝቢ መራሒ ክኾኑ መሪፅዎም  ከም ዝነበረ ዝፍለጥ ኮይኑ፣ ብነባሪ እቲ ከባቢ ሕብረተሰብ ብጅግነቶም ዝፈለጡ አቶ ምክሩ ንወያኔ ኢህወዴግ ካብ ብሐዚ ኣይግዛእን ብምባል ናይቲ ከባቢ ነባሪ ንመሰሉ ንኽቃለስ ከተሓባብሩ ከም ዝፀንሑ ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት አብ ልዕሊ ቶም አብቲ ከባቢ ዝሰፈሩ ወታደራት ተኾሲ ይኸፍቱ ከም ዘለዉን ለይቲ ለይቲ ተደጋጋሚ ናይ ቶኽሲ ድምፂ ከም ዝስማዕ ዝገልፁ እቶም ነበርቲ ዝተዓጠቁ ሓረስቶት ከላሽኖም  ንዘይ ምርካብ  ከም ዝወሰኑ ገሊፆም።


No comments:

Post a Comment