Friday, December 23, 2016

መንግስቲ ድሕሪ ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ምውፃኡ ቁፅሪ ኣብ እሱር ዘለው ዜጋታት ልዕሊ 20 ሽሕ በፂሑ ከም ዝርከብ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ተግባራዊ ካብ ዝኾን ንደሓር ንከተማ ኣዲስ ኣበባ ወሲኽካ ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ሃገርና ቁፅሪ ንእሱር ዝተፈርዱ ወገናት ልዕሊ 20 ሽሕ በፂሑ ከም ዘሎን ካብዚኣቶም እቶም 20 ሰባት ናይ ፀፅታ ሰራሕተኛታት ከም ዝኾኑን ከምኡ እውን ብስርዓት ኢህወደግ በቢግዜኡ ዝእሰሩ ወገናት ቁፅሮም እናወሰኸ ብምኻዱ ሲዒቡ ካብ ትካላት ወታደራዊ መሰልጠኒታት ብተወሳኺ ዝተፈላለዩ ናይ መንግስቲ ትካላት ወሃብቲ ኣገልግሎታት ብእሱራት ኣዕለቕሊቑ ምህላው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ዓለም ለኸ ናይ ሰብኣዊ መሰላት ተጠባበቕቲ ውድባት ብወገኖም ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ድሕሪ ምውፃኡ ስዒቡ ንእሱር ዝተፈርዱ ሰባት ኣብ ልዕሊኦም  ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ክፍፀሞም ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ነዚ ኣዋጅ እዚ ጥሒሱ ብዝብል ምኽንያት ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝተኣስረ ዶ/ር መራራ ጉዲና እቲ ቤት ፍርዲ  ብሰንሰለት ክእሰር ከም ዝገበረ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣረዲኡ።

No comments:

Post a Comment