Friday, December 23, 2016

ኣብ ከተማ ኣዲስ አበባ ብተለምዶ ኣመሪካ ግቢ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ቦታ መንበሪ ኣባይቶም ብስም ዘይትግበር ልምዓት ዝፈረሶም ወገናት መንግስቲ ተለዋጢ ቦታ ንምሃብ ዝአተዎ ቃል አየተግበረን ብምባል መረረቶም ከም ዝገለፁ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣብ ከተማ ኣዲስ አበባ ብተለምዶ ኣመሪካ ግቢ ተባሂሉ ኣብ ዝፍለጥ ቦታ መንበሪ ገዝኦም ብስም ልምዓት ዝፈረሶም ዜጋታት፣ መንግስቲ ተለዋጢ ቦታ ክህበኩም እየ ክብል ዝኣተዎ ቃል አየኽበረን ብምባል መረረቶም ከም ዝገለፁን እቶም ነበርቲ ሕጋዊ ፍቓድ እናህለዎም መተካእታ ቦታ ከይተዉሃቦም ንነዊሕ ጊዜ ከም ዝፀንሑን በዚ ድማ ንዘተፈላለዩ  ማሕበራዊ ፀገማት ከም ዝተሳጥሑን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ከም  ዘረደኦ ብኣማኢት ንዝቁፅሩ ነበርቲ እቲ ከባቢ  ኣማሓዳርቲ  እታ ከተማ  ንሕቶኦም ግቡእ መልሲ  ክህብዎም ስለ ዘይከኣሉ ደቆም ስሩዕ ትምህርቲ ክከታተሉ ከም ዘይከኣሉን ዝፍለጥ ኮይኑ  ኣብ ክፍለ ከተማ ላፍቶ እንተኽነ ዉን  ካብ ሕጊ ወፃኢ ብዝብል ምክንያት መንበሪ ኣባይቶም ንምፍራስ ዝተኻየደ ወፍሪ ተቃዉሞ ከም ዘለዓዓለን ሰለስተ ናይታ ክፍለ ከተማ ሓለፍትን ናይ ፀጥታ ኣባላትን ከም ዝምቱን ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ ኣብ ከባቢ ቦሌ ክፍለ ከተማ ዝርከቡ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ብዝተወሰደ ስጉምቲ ድማ ልዕሊ 10 ሰባት ከም ዝሞቱ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ገሊፁ፣፣

No comments:

Post a Comment