Friday, December 23, 2016

ኣብ ጃዊን ከባቢኣን ኣብ ልዕሊ ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ሓያል ተቃውሞ ህዝቢ ይቕፅል ምህላው ተገሊፁ።



ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬት ኣብ ሞንጎ ክልላት ኣምሓራን ቤንሻንጉልን ኣብ ዘሎ ናይ ክልቲኤን ዶባት ተተኺሉ ዝርከብ ፋብሪካ ሽኮርን ከተማ ፈንድቃን ሓያል ተቓውሞ ህዝቢ ተላዒሉ ከም ዝርከብን መበገሲ ናይቲ ተቓውሞ ድማ ኣብዚ ሰሙን እዚ ፋብሪካ ሽኮር ጃዊ 75  ሚኢታዊ ዝኸውን ንሰብ ሃፍቲ ትርኲ ድሕሪ ምሻጡ ስዒቡ እቲ ተቓውሞ ከም ዝተወለዐ  ዝረከብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
መንግስቲ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከብ ፋብሪካ ክትከል ብዝብል መሬት ሓረስቶት ድሕሪ ምውሳዱ እቶም ሓረስቶት ክሳብ ሕዚ ተተካኢ መሬት ይኹን ካሕሳ ከምዘይረከቡ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤በዚ ዝተቖጥዑ ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ድማ ኣብ ልዕሊ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኢህወደግ ተቓውሞ ከምዘልዓሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብተመሳሳሊ ዜና ንብረትነቱ ፋብሪካ ሽኮር ጃዊ ዝኾነ 60 ሄክታር  ሽኮር ኣገዳ ኣብዝቀረባ ግዜ ብሓዊ ምቅጻሉ ዝፍለጥ ኮይኑ፤በዚ ዝተልዓለ ድማ መበገሲ ናይቲ ሓደጋ እንታይ ምዃኑ ዝምርምር ብፌደራል ዝቖመ ፍሉይ ሓይሊ ክሳብ ሕዚ ጠንቂ ናይቲ ሓደጋ ግልፂ ክገብር ከም ዘይካኣለ እቲ ሓበሬታ ወሲኹ ኣገንዚቡ።

No comments:

Post a Comment