Wednesday, December 28, 2016

ሆስፒታል ሽረ እንዳስላሴ ሕፅረት መድሓኒትን ሓይሊ ሰብን ኣጋጢምዎ ምህላው ተገሊፁ።



ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ ዝርከብ ሆስፒታል ሕፅረት ኣፋውስን ሓይሊ ሰብን ኣጋጢምዎ ስለ ዘሎ ኣብ ተገልገልቲ ዓብይ ፀገም ይፈጥር ምህላው ካብቲ ከባቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

ሆስፒታል ሽረ እንዳስላሴ ብዘካ ካብቲ ዞባ ክሕከሙ ኢሎም ዝመፁ ሰባት ካብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ማለት እውን፤ ካብ ፀለምቲን ዓዲ ረመፅን ኢሉ እውን ካብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ክልል ኣምሓራ ክሕከሙ ዝመፁ ሰባት ብምህላዎም ብዘይመድሓኒት ተፀፋፂፎም ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።

ነዚ ዝገለፁ ነበርቲ ህዝቢ ከተማ ሽረ እንዳስላሴ፤ ብሰንኪ እቲ ልዕል ክብል ዝተጠቐሰ ፀገማት ናይቲ ሆስፒታል ማእለያ ዘይብሎም ተገልገልቲ ከይተሓከሙ ብምትራፎም  ኣብ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ወዲቖም ምህላዎም ወሲኾም ኣፍሊጦም።




No comments:

Post a Comment