Wednesday, December 28, 2016

ነበርቲ ህዝቢ ከተማ ዓብይ ዓዲ ብሰንኪ ኣጋጢምዎም ዘሎ ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ዝተፈላለዩ ፀገማት ይበፅሖም ምህላው ተፈሊጡ።



ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ነበርቲ ህዝቢ ከተማ ዓብይ ዓዲ ብሰንኪ እቲ ኣብ ከባቢኦም ኣጋጢምዎም ዘሎ ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ንዝተፈላለዩ ማሕበራዊን ቁጦባዊን ፀገማት ተቓሊዖም ከም ዘለውን ፀገሞም ክፍተሐሎም ናብ ዝምልከቶ ኣካል ተደጋጋሚ ሓቲቶም መልሲ ከም ዘይረኸቡን ገሊፆም።

ኣብ ከተማ ዓብይ ዓዲ ሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ካብ ዘጋጥም ነዊሕ እዋን ከም ዝገበረን መንግስቲ ነቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ማይ ፀገም ኣብ ሓፂር ግዜ መፍትሒ ክግበረሎም ዝሓተቱ እቶም ወገናት፤ ህዝቢ ከተማ ዓብይ ዓዲ ማይ ንምቕዳሕ ለይቲ ሰዓት 8ን 9ን ተሲኡ ተራ ሒዙ እኳ እንተሓደረ ማይ ከይረኸበ ጥራሕ ኢዱ ከም ዝምለስ ድማ እቶም ነበርቲ ወሲኾም ኣረዲኦም።




No comments:

Post a Comment