Wednesday, December 28, 2016

ኣብዚ ሰሙን እዚ ንግዕዙይ ውልቀ-መላኺ ስርዓት ኢህወደግ ብምቅዋም ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ናብ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት) ከም ዝተፀበሩ ወኪል ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ኣፍሊጡ።



ብመሰረት ሓበሬታ ወኪል ክፍሊ ታዕሊም ዴምህት ንብልሽው ኣሰራርሓ ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ብምቅዋም ኣብዚ ሰሙን እዚ ብርክት ዝበሉ መንእሰያት ሃገርና ናብ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴ.ም.ህ.ት) ከም ዝተፀንበሩ ወኪልና ካብቲ ቦታ ገሊፁ።

 ካብኣቶም ገለ ንምጥቃስ ድማ ተምሃሪት ኣብርሀት ዞሚ ገብረስላሴ ካብ ዞባ ማእከል ትግራይ፤ ወረዳ መረብ ለኸ፤ ጣብያ ምሕቛን ቁሸት እንዳሚካኤል፤
ተምሃራይ ዘንፎ ኣብራሃለይ ወላይ ካብ ዞባ ማእከል ትግራይ፤ ወረዳ መረብለኸ፤ ጣብያ ምሕቛን፤ ቁሸት ኣትካሮ፣
ተምሃራይ ይብራህ ገብረመድህን ኣስገዶም፤ ካብ ዞባ ምብራቅ፤ ወረዳ ግሎመኸዳ፤ ጣብያ ማርታ፤ ቁሸት ኣራጉሮ፣
ኣድሓነት ገብረመስቀል ገብረ ካብ ዞባ ምብራቕ ትግራይ፤ ወረዳ ግሎመከዳ ፤ ጣብያማርታ፤ ቁሸት ሑፃ ኮይኖም፤

ብፍላይ ድማ ተምሃራይ ይብራህ ገብረመድህን ናብ ዴሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝቢ ትግራይ (ዴምህት) ተፀንቢሩ ክቃለስ ዘገደዶ ምኽንያት እንትግልፅ፣ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣንፃር ስርዓት ኢህወደግ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ቀንዲ ዕላምኡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍፀም ዘሎ ጥሕሰት ሰብኣዊን ዴሞክራሲያዊን መሰላት ዝኹንን ከምኡ 'ውን ሕቶ ማዕርነትን ናይ ኢኮኖሚ ሽግርን ምዃኑ ገሊፁ።
እዞም መሰረታውያን ሕቶታት እዚኦም ግቡእ መልሲ ክውሃቦም እናተገበአ  ስርዓት ወያነ ብተፃራሪ ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ዝብል መምርሒ ብምውፃእ ዜጋታት ብሓይሊ ዓፊኑ ብምሓዝን ብስም ዓሚቕ ተሃድሶ ዝብል ምኽንያት ለውጢ ኣብ ዘይብሉ ሰበ ስልጣናት ኣብ ምሻምን ምውራድን ተፀሚዱ ይርከብ ክብል ኣረዲኡ።



No comments:

Post a Comment