Wednesday, December 28, 2016

ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ሃድያ ዝርከቡ ዜጋታት ናይ መብራህቲን ፅሩይ ዝስተ ማይን ፀገም ኣጋጢምዎም ምህላው ገሊፆም።



ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ሃድያ ዝርከቡ ወገናት ናይ መብራህቲ፤ ፅሩይ ዝስተ ማይን ኣገልግሎት ሕክምናን ፀገም ከም ዘለዎምን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ድማ ተደጋጋሚ ሓቲቶም ክሳብ ሕዚ መልሲ ከም ዘይረኸቡን ብመረረት ይገልፁ ምህላዎም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ካብ ህዝቢ ቀፃሊ ንዝቐርቡ ሕቶታት ቅልጡፍ መልሲ ንምሃብ ቅሩብ ኣለኹ እኳ እንተበለ ካብ ዘረባ ሓሊፉ ግን እዚ ዝበሃል መፍትሒ ኣይረኸብናን ክብሉ ገሊጾም

ኣብ መዳይ ሕክምና ‘ውን እንተኾነ ሕፅረት መድሓኒት ሰብ ሞያ ሕክምናን ኣሎ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ብሕማም ንዝተወፅዑ ሰባት ቀልጢፈን ናብ ሆስፒታል ዘብፅሓ ኣምቡላንሳት ከም ዘይረኸቡ እውን እቶም ወገናት ወሲኾም ኣገንዚቦም።


No comments:

Post a Comment