ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ
ክልል ደቡብ ዞባ ሃድያ ዝርከቡ ወገናት ናይ መብራህቲ፤ ፅሩይ ዝስተ ማይን ኣገልግሎት ሕክምናን ፀገም ከም ዘለዎምን ናብ ዝምልከቶ
ኣካል ድማ ተደጋጋሚ ሓቲቶም ክሳብ ሕዚ መልሲ ከም ዘይረኸቡን ብመረረት ይገልፁ ምህላዎም ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።
መንግስቲ ካብ ህዝቢ ቀፃሊ ንዝቐርቡ
ሕቶታት ቅልጡፍ መልሲ ንምሃብ ቅሩብ ኣለኹ እኳ እንተበለ ካብ ዘረባ ሓሊፉ ግን እዚ ዝበሃል መፍትሒ ኣይረኸብናን ክብሉ ገሊጾም፡
ኣብ መዳይ ሕክምና ‘ውን እንተኾነ
ሕፅረት መድሓኒት ሰብ ሞያ ሕክምናን ኣሎ ጥራሕ ዘይኮነስ፤ ብሕማም ንዝተወፅዑ ሰባት ቀልጢፈን ናብ ሆስፒታል ዘብፅሓ ኣምቡላንሳት
ከም ዘይረኸቡ እውን እቶም ወገናት ወሲኾም ኣገንዚቦም።
No comments:
Post a Comment