Wednesday, December 28, 2016

ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ወልድያን ከባቢኣን ኣብ ዝርከባ ከተማታት ተኣሲሮም ዝተፈትሑ ዜጋታት ተሃድሶ ከይወሰዱ ተሰዲዶም ብዝብል ምኽንያት ዳግም ከም ዝተኣሰሩ ተፈሊጡ።



ብመሰረት ዝተረኸበ ሓበሬታ ኣብ ክልል ኣምሓራ ከተማ ወልድያን ከባቢኣን ኣብ ዝርከባ ከተማታት ቅድሚ ሕዚ ተገፊፎም ብምውሳድ ካብ ሓደ ክሳብ ክልተ ወርሒ ተኣሲሮም ዝተሰደዱ ብኣማኢት ዝቑፀሩ ወገናት ተሃድሶ  ከይወሰዱ ተሰዲዶም ብዝብል ምኽንያት ዳግም ክእሰሩ ከም ዝኻኣሉን ኣቐዲሞም እቲ ሓበሬታ ዝሰምዑ መናእሰይ ድማ ካብቲ ከባቢ ከም ዝተሰወሩን ተገሊፁ።

ብተመሳሳሊ ዜና ድማ ኣብ ዙርያ ባህሪ ዳር ዝርከባ ወረዳታት ማለት እውን ጎንጂ ቆለላ፤ ይልማ ዴንሳ፤ ሜጫ፤ ኣቸፈር ደራን ዝተብሃሉ ወረዳታት ልዕሊ 4 ሽሕ መናእሰይ ተኣሲሮም ምህላዎም ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ እቶም እሱራት ወገናት ናብ ቤት ፍርዲ ከይቀረቡ ኣብ ከተማ ባህርዳር ብሕፅረት ፅሩይ ዝስተማይን ሕክምናን እናተሳቐዩ ከም ዝርከቡ ተፈሊጡ።







No comments:

Post a Comment