Wednesday, February 8, 2017

ውድብ ህወሓት ዓመት መፀ ከም መሸቀጥን መጠበርን ዝጥቀመላ ምጅማር ብረታዊ ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝኾነ በዓል 11 ለካቲት ሎሚ ‘ውን ብስም እዛ ዕለት ፖለቲካዊ ንግዲ ከካይድ ምድላዋት ይገብር ከም ዘሎ እሙናት ምንጭታት ገሊፆም።



ብመሰረት እቲ ዝበፅሓና ሓበሬታ ህወሓት ናይ ሎሚ በዓል 11 ለካቲት ብክልል ደረጃ ኣብ ወረዳ ኢሮፕ ዘይተኣደነ ወፃኢታት ፈሰስ ብምግባር ንኸብዕላ ብገንኡ ኣብቲ ከባቢ ብካድረታቱ ኣቢሉ ህዝባዊ ምልዕዓል የካይድ ከም ዘሎ ተፈሊጡ።

ብሰንኪ ፀረ ህዝቢ ተግባራቱ ካብ ህዝቢ ትግራይ ምሉእ ንምሉእ ተነፂሉ ዘሎ ህወሓት ብምኽንያት 11 ለካቲት ስም ናይቶም ንዓመታት ረሲዕዎም ዝነበረ ሰማእታት ትግራይ እናልዓለ፣ ቀልቢ ህዝቢ ንምስሓብ ንብዓት ሓርገፅ ይነብዕ እካ እንተሎ፣ ዝቕበሎ ህዝቢ ከም ዘየረኸበ ምንጭታትና ወሲኾም ገሊፆም።

ናይ ሎሚ ዓመት በዓል 11 ለካቲት ኣብ ወረዳ ኢሮፕ ከብዕሎ ምምራፁ ድማ መናእሰይ ኢሮፕ ነቲ ስርዓት ብምቅዋም ቃልሲ መሪፆም ናብ ዝተፈላለያ ውድባት ብፍላይ ድማ ናብ ውድብ ዴምህት ይፅምበሩ ስለ ዘለዉ 11 ለካቲት ምኽንያት ተጠቒምካ ህዝቢ ኢሮብ ንምጥባር ዝዓለመ ከም ዝኾነ ወሲኾም ገሊፆም።
ህወሓት ዝተፈላለዩ በዓላት እናፈጠርካ ቀልቢ ህዝቢ ክትስሕብን ክተደናግርን ምፍታን ልሙድ ተግባራቱ ከም ዝኾነ ድማ ዝፍለጥ እዩ።




2 comments:

  1. በይዛኩም አይተስሕቁኒ ንዓድኩም መጻእኩም ብሰላማዊ መንገዲ ተቃለሱ

    ReplyDelete
  2. This comment has been removed by the author.

    ReplyDelete