Wednesday, February 8, 2017

ብዕምቆት ንታሓደስ ብዝብል ምኽንያት ኣብ ወረዳ ኢሮብ ንሰለስተ ማዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ኣኼባ ምንም ፍረ ከይሃበ፣ ብዕለት 27 ጥሪ 2009 ዓ/ም ከም ዝተዛዘመ ኣብቲ ኣኼባ ዝተሳተፉ ምንጭታትና ገሊፆም።



ብዕለት 27 ኣብ ዝነበረ መድረኽ ብተሳተፍቲ ናይቲ ኣኼባ ኣብ ልዕሊ መራሕቲ ናይቲ መድረኽ ከበድቲ ሕቶታት ከም ዝተላዕሉ ዝገለፁ ምንጭታት፣ ብፍላይ ቢሮ ማይ ሃፍቲ፤ ቢሮ ኮንስትራክሽን፤ ቢሮ መሬት ዲስክ፤ ቢሮ ፍትሕን ፀፅታን፣ ኣብ ምጥፍፋእ ባጀትን ኣብ ምሕባእ ገበንን፣ ፍትሒ ኣብ ምጉዳልን ዝላዓለ ግዕዝይና ዝፈፀሙ ቢሮታት ተባሂሎም ዝተገምገሙ እንትኾን፣ ብሓፈሻ ድማ ናይታ ወረዳ ባጀት ኣብ ምንታይ ይኣቱ ከም ዘሎ ኣይፍለጥን ዝብሉ ሰፋሕትን ኣካታዕትን ዝኾኑ ሕቶታት ካብ ህዝቢ ከም ዝቐረቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ኣብ ናይ 2009 ዓ/ም ባጀት ብዘይካ ናይ ቤት ፍርዲ ገዛ ንምስራሕ ወፃኢ ዝተገብረ 4 ሚልዮን ብር እቲ ካልእ ባጀት ኣብ ረብሓ ህዝቢ ከም ዘይወዓለ፣ ካብ ደውሃን ንወርዓትለን እንዳልጌዳን ዝተዘርገሐ ፅርግያ ብጣዕሚ ፀገም ከም ዘለዎ ትኽክለኛ ሓመድ ከም ዘይተመርፀሉን ፅንዓት ከም ዘይተገብረሉን ‘ውን ብህዝቢ ሓያለ ነቐፌታ ቀሪቡ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ኣብ ማእኸል እንዳልጌዳ ዝተሰርሓ 121 ዝኾና ዘይሕጋዊ ገዛውቲ ንዓመታት መፍትሒ ስኢነን ህዝቢ ኣብ ከቢድ ውጥረትን ፀገምን ከም ዘሎ ዝገለፁ ምንጭታትና፣ ኣብ መዳይ ፍትሒ ናይ ሃፍታምን ናይ ሓላፍን መዝገብ ከም ዘይረአ፣ ንኣብነት ድማ ናይ ጣብያ ዓልቴና ኣማሓዳሪ ባራኺ ተስፋይ ምስ ናይ ወረዳ ኢሮብ ኣማሓዳሪ ተመሻጢሮም ዝወሰድዎ ናይ ህዝቢ እኽልን ገንዘብን ከይተፃረየ መዝገቦም ከም ዝተዓፀወ፣ ኣብቲ መድረኽ ዝተገምገመ እኳ እንተኾነ ዘዕግብ መልሲ ከይተዋህቦ ከም ዝተሓልፈ ተፈሊጡ።

ምንጭታትና ኣብ መወዳእታ ህዝቢ ወረዳ ኢሮብ ፍርቁ ምስ ኣማሓዳሪ እታ ወረዳ ፍርቁ ድማ ምስ ኣፈጉባኤ ናይታ ወረዳ ኣብ ክልተ ጉጅለ ተገሚዑ ከም ዘሎ ወሲኾም ገሊፆም።

No comments:

Post a Comment