Friday, April 28, 2017

ኣብ ክልል ኦሮሞ ብምኽንያት ኣጋጢሙ ዘሎ ድርቂ ኣብ ሰለስተ ዞባታት ጥራሕ 241 ኣብያተ ትምህርቲ ከምዝተዓፅዋ ተፈሊጡ።



ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ክልል ኦሮሞ ኣጋጢሙ ብዘሎ ሓያል ድርቂ ምኽንያት ኣብ ሰለስተ ዞባታት ጥራሕ 241 ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዝተዓፅዋን፤114,751 ተምሃሮ ድማ ትምህርቶም ከም ዘቋረፁን ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ካብዚ ብተወሳኺ ካብቲ ክልል ከይወፃና ኣብ ዞባታት ቦሮናን ጉጂን 127,010 ከፍቲ በዚ ናይ ለብዘበን ድርቂ ሙማተን ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ንሰለስተ ተኸታታሊ ዓመታት ማለት እውን ካብ 2007 ክሳብ 2009 ዓ.ም ብዘይ ምቁራፅ  ዝተጎድኣ ዞባታት ክልል ኦሮሞ ድማ ሓሙሽተ ምዃነን ተፈሊጡ።
ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ ዝርከባ 17 ዞባታት ኣብ 2007 ዓ.ም ኣጋጢሙ ኣብ ዝነበረ ድርቂ እተን 9 ዞባታት ብድርቂ ተጠቒዐን ምንባረን ድማ ይፍለጥ።

No comments:

Post a Comment