Friday, April 28, 2017

ህወሓትን ሰበ-ስልጣን ማሓዛ ዉድባትን እናተናኸሱ ከም ዝኾኑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።



 ብኣቶ ኣባይ ፀሃየ ዝምራሕ ማእኸል ምርምር ፖሊሲ ዘቕረቦ ፅንዓት ሃይለማርያም ደሳለኝ ዉድቂ ምግባሩ ኣብ መንጎኦም ዘሎ ኣፈላላይን ዘይምርድዳእን ዘመልክት ኮይኑ፣ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ዉሽጢ ዉሽጢ ክናፈስ ድሕሪ ምፅናሕ ኣቶ ሃይለማርያ ኣብዚ ሰሙን እዚ ካብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ ጋህዲ ምዃኑ ንምርግጋፅ ተዃኢሉ።
ብ 12 ሚያዝያ 2009 ዓ.ም ሃይለማርያም ደሳለኝ ንጋዜጠኛታት መንግስትን ዉድባትን ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለፂ፣ኣብ መንጎ ኣጋር ዉድባት ኢህወዴግ ዘሎ ዘይምርድዳእ ኣብ መንጎ ህወሓትን ብኣዴንን  ጥራይ ዘይኮነስ  ኣብ ኦህዴድን ህወሓትን፣ ኣብ ህወሓትን ደኢዴድን እዉን እዩ። ብፍላይ ኣብ መንጎ ሰበስልጣን ብኣዴንን ህወሓትን ዘሎ ዘይምርድዳእ ሐዚ ዝተፈጠረ ዘይኮነስ ገና እቲ ዉድብ ኣብ ዕጥቃዊ ቃልሲ እናሃለወ ከም ዝነበረ ተዛሪቦም።
ብፍላይ ኣብቲ ዝተኻየደ ቃልሲ ዘይነበረን ህወሓት ኣዲስ ኣበባ እንትኣቱ ዝተፈጠረ ናይ ደቡብ ኢትዮጵያ ዉድብን  ህወሓት ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝግስግሰሉ ዝነበረ ናይ መወዳእታ ቃልሲ ዝተመስረተ ናይ ህዝቢ ኦሮሞ ዴሞክራስያዊ ዉድብን፣ ካብ መዓዝ ኣትሒዞም ኣብ ኣደባባይ ዝወፀ ኣፈላላይ ምጅማሮምን መበገሲኡ እንታይ ከም ዝኾነን ካብ ምግላፅ ተቖጢቦም።
ሓደ ሓደ ናይቲ ገዛኢ ዉድብ ቅርበት ዘለዎም ምንጭታት ከም ዝገልፅዎ፣ ኣብ መንጎ ሰበ-ስልጣን ህወሓትን ኣጋር ዉድባትን ዝተልዓለ ዘይምርድዳእ መራሕቲ ህወሓት ኣብ መብዛሕቲኡ ቁልፉ ቦታታት ናይ መንግስቲ ዝተቆፃፀርዎ ስልጣንን ካብ ዓቕሞም ንላዕሊ ብዝኣከብዎ ገንዘብ ህዝብን ዝመበገሲኡ ጉዳይ እዩ።
ህወሓት ብደምን መስዋእትነትን ዝረኸብናዮ ብዝብልዎ ስልጣንን ብዝኣከብዎ ገንዘብን ተሞርኪሶም ምስ ዝኾነ ክደራደሩ ኣይደልዩን ዝበሉ እቶም ምንጭታት፣ በዚ ዝተልዓለ ዉን ቅድም ክብል ንግላዊ ረብሓኦም ክብሉ ዝተፀግዕዎም ናይተን ኣጋር ዉድባት መራሕቲ ንዉክሎ ኢና ካብ ዝብልዎ ህዝቢ በቢ መዓልቱ ካብ ዝበፅሖም ተቓዉሞ ንምልቓቕ ክብሉ ሓደ ሓደ መሰረታዊ ሕቶታት ምልዓል ብምጅማሮም ኣብ መንጎኦም ዘሎ ኣፈላላይ እና ገደደ ከም ዝኸደ ተገሊፁ።


No comments:

Post a Comment