Monday, April 10, 2017

ናይ ሓንቲ ሃገር ሰላም ሰብኣዊ መሰላት ብምግሃስ ኣይረጋገፅን!!



   ወድሰብ ብተፈጥሩኡ ሰብ ብምዃኑ ጥራሕ ዘይድፈርን ዘይግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ዝተዓደለ እዩ። ስለዝኾነ ሰብ፣ ሰብ ብምዃኑ ብሂወት ናይ ምንባርን ናይ ኣካል ድሕነትን ነፃነቱን ክረክብ መሰል ኣለዎ ማለት እዩ።
  ነዞም መሰል ዜጋታት ንምኽባር ድማ ኣብ ዓለምና ዘየቋርፅ ቃልሲ እናተኻየደ መፂኡን ኣሎን። ኣብ በቢሃገሩ ዝርከቡ ጮቆንቲ ስርዓታት ንባዕልቶም ብዘርብሕ እናመርሑ ናይ ዜጋታት ሰብኣዊ መሰላት ብምግሃስ ከም እንስሳ እናርአዩ ኣገልገልቲ ንምግባር፣ ናይ ሞትን ሕየትን ቃልሲ እናተኻየደ መፅዩ፣ ሎሚ ብዝበዝሑ ኣህዛብ ዓለምና ድልየት መሰረት፣ ናይ ወድሰብ ሰብኣዊ መሰል ተኸቢሩ ዝነብረላ ዓለም ንምርኣይ ቃልሲ ይካየድ እኳ እንተሎ ሐዚ ‘ውን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ናይ ዜጋታት እናተስፋሕፈሐ እዩ ዝኸይድ ዘሎ።
  እዚ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ምትሕንናቕ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዘመናት ኣብ መንጎ ህዝባን መራሕታን እናተርኣየ መፅዩ፣ ክሳብ ሐዚ ‘ውን ካብዚ ኩነታት እዚ ኣይወፃእናን። ካብ ዝሓለፉ ስርዓታት ሎሚ ብዝበኣሰ መልክዑ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሰብኣዊ መሰሉ ብኢህወዴግ ተጣሒሱ ኣብ ትሕቲ ሕሱም ጭቆናን ባርነትን ወዲቑ ይርከብ።
  ስለ ዝኾነ ሎሚ ኣብ ሃገርና ኢትዮጵያ ብሂወት ናይ ምንባር መሰል ኣዝዩ ፀቢቡ፣ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ኣካል ድሕንነት፣ ነፃነትን ዝብሉ መሰላት ‘ውን ብፀረ-ህዝቢ ስርዓት ኢህወደግ ብሙልኦም ተጋሂሶም ይርከቡ። ህዝብና ብትእዛዝ ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ንሕገ መንግስቲ ብዝፃረር ብዘይተፈለጠ ምኽንያትን ግፍዓዊ ብዝኾነ መንገዲ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ወገናትና ብሓይልታት ፀፅታ ሂወቶም ክስእኑ፣ ብሕሱም መግረፍቲ ኣካሎም እናጎደሉ ብሓፈሻ ኣብ ትሕቲ ኣብያተ ማእሰርቲ እናተዳጎኑ ግፍዓዊ ብዝኾነ ምርመራ እናበፅሖም  ኣካላውን ስነልበናውን ጥቕዓታት እናወረዶም መፂኡን ኣሎን።
  ኑፁሃት ዜጋታት መሰልና ይከበር ኢሎም ብምሕታቶም ጥራሕ ዘይተደለየ  ስም እናተለጠፎም ንኽሽቑረሩን ካብ ሕብረተሰቦም ንኽንፀሉን ብምግባር ካብዚ ሓሊፉ ድማ ፍፁም ኢ-ሰብኣዊ ብዝኾነ ኣገባብ ንማእሰርትን ስቓይን እናተቓልዑ ይርከቡ።
   ኣብዚ ቀረባ እዋን እቲ ግፍዓዊ ስርዓት ኣብ ልዕሊ ነቲ ይመርሖ ኣለኹ ዝብሎ ህዝቢ ዘውረዶ ጨፍጫፍን ማእሰርትን ፍፃመታት ምርኣይ ይከኣል እዩ። በዚ መሰረት ህዝቢ ኢትዮጵያ ንሓደ ወዲ ሰብ ዘድልዮ መሰረታዊ ድልየታትን ብሂወት ናይ ምንባር መሰልን ክረክብ ብዘበገሶ ሕቶ ጥራሕ ኢህወደግ ኣብ ልዕሊ ንፁሃት ወገናት ብተኹሲ ጠያይቲ ሂወት ዜጋታት ክበልዕ ፀኒሑን ኣሎን።
  እዚ ኩነታት ድማ ኣብ በቢ ከባቢኡ ንዘሎ ውፁዕ ህዝቢ ናብ ዓመፅ ከለዓል ኣኽኢሉዎ እዩ። ናይዚ ኣብነት ኣብ ክልል ኦሮሞ ፣ኣምሓራ፣ ኣብ ትግራይ ኣብ ክልል ደቡብን ኣብ ካልኦት ከባብታትን ህዝቢ ናብ ኣደባባይ ወፅዩ መሰሉን ረብሓታቱን ክረክብ ልዑል ናይ ሂወት መስዋእቲ ከፊሉን እናኸፈለን ይርከብ ኣሎ። ናይዚ ውፅኢት ድማ እቲ ስርዓት ብጭንቀትን ስንባደን ተደፋፊኡ ካብ ኣፍደገ ሞት ከፃንሖ ዝኽእል ዝኣወጆ ህፁፅ ናይ ግዜ ኣዋጅ ዕድመ ስልጣኑን ጉዕዞ ህይወቱን ብኡ ተሓቢኡ ክሳለ ከናውሖ ይረእ ኣሎ።
  ህዝቢ ኢትዮጵያ ግን ሰብኣዊ መሰሉ ፍፁማዊ ብዝኾነ መንገዲ ተጣሒሱ ዘበገሶ ሕቶ ፍታሕ ክረክብ ኣይክኣለን። ብኡ ልክዕ ድማ ሃገርና ኣብ ትሕቲ ወታደራዊ ኣገዛዝኣ ኢህወደግ ወዲቓ ኣብ ታሪኽና ተራእዩን ተኸሲቱን ዘይፈልጥ ኩነታት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ናይ ዓፈና መርበብ ኣትዩዎ፣ ብጥርጣረ ክነብር፤ ሂወቱ ክስእን፤ ክእሰር፤ ተዓፊኑ ክስወር፤ ክሽቑረር ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ተወሲዱ ኢ-ሰብኣዊ ብዝኾነ ምርመራን ክሳቐ ይግበር ኣሎ።
  ሐዚ ‘ውን እንተኾነ ገዛኢ ስርዓት ኢህወደግ ዘላቒ ዝኾነ መፍትሒ ምምፃእ ተሳኢኑዎ ግፍዓዊ ምሕደርኡ ብምስፋሕን ብሓይሊ ረጊፁ ንምሓዝን ዝገብሮ ዘሎ ተግባራቱ ረሲዑ ናይታ ሃገር ሰላም ናብ ዝነበሮ ተመሊሱ ክብል ይረአን ይስማዕን ኣሎ። እቲ ሓቂ ግን ግፍዕን ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰልን እናገደደ ኮታስ ኣብ ህዝቢ ፍርሕን ምጥርጣርን ነጊሱ ብሰላም ወፂእኻ ብሰላም ትኣትወሉን ሰሪሕኻ ትነብረሉ ኩነታት ይኹን ሰላም ኣይረኸበን። ሰለዚ ናይ ሓንቲ ሃገር ሰላም ሰብኣዊ መሰላት ናይ ዜጋታት ብምጥሓስ ኣይረጋገፅን!!   

No comments:

Post a Comment