Monday, April 3, 2017

ናይ ቆሼ ሓደጋ ብስእነት ዴሞክራሲ ዝተኸሰተ እዩ። ብስዩም ተሾመ



   ሰብ መዋቲ እዩ’ሞ ኩላትና ክንመውት ኢና። ሞት ንኹሉ ማዕረ እዩ። ኣማውታና ግን ነኒበይኑ እዩ። ብሓደ ተፈጥሮኣዊ ኣጋጣሚ ዝረኸብናዮ ህይወት ብካሊእ ተፈጥሮኣዊ ኣጋጣሚ ከም እንስእኖ ርግፅ እዩ።  ንኣብነት ናይ ወዲ ሰብ ዕድመ ዘመኑ ወዲኡ፤ ጥዕና ስኢኑ፤ ብድንገተኛ ውሕጅ፤ ብምንቅጥቃጥ መሬት፤ ምንሽርታት፤ ምድርማስን ዝመሳሰሉ ተፈጥሮኣዊ ሓደጋታት ምኽንያት ህይወቱ ክስእን ይኽእል። ነገር ግን ሰብ ከመይ ገይሩ ናይ ጎሓፍ ኮምራ ተደርሚሱዎ ይመውት?    
  እዚ ንነጋሪ ይኹን ንቐባሪ ዘይምቹ ኣማውታ እንታይ ይበሃል። ተፈጥሮኣዊ ወይስ ሰብ ሰራሕ ሓደጋ? “ተፈጥሮኣዊ” ከይንብሎ እቲ ጎሓፍ ሰብ ሰራሕ ኮምራ እዩ። ሰብ ሰራሕ ከይንብሎ እቲ ጎሓፍ ዝተደርመሰ ብሰብ ኣይኮነን። እቶም ሰባት ኣብ ትሕቲ ጎሓፍ ዝተረኸቡ ብኣጋጣሚ እዩ ከይበሃል ናይ ኩሉ ግዜ መንበሪኦም ወይ ዝሰርሑሉ ቦታ እዩ። ናይቶም ነበርቲ ናይ መንበርን መስርሕን ቦታ ኣብቲ ጎሓፍ እዩ ከይበሃል ከም ኩላትና ሰባት ካብ ጎሓፍ ነፃ ዝኾነ ንፁህ ኣከባቢ ምንባርን ምስራሕን ዝደልዩ ሰባት እዮም።
እዚ ነገር ንብዙሓት ግራ ዘእቱን ግር ዘብልን እዩ። ናይ ኣዲስ ኣበባን ናይ ኦሮምያን ፖለቲካ ብቐረባ ንዝከታተሉ ሰባት ግን እቲ ነገር ቀጥተኛን ግልፅን እዩ። ምኽንያቱ ኣብዞም ዝሓለፉ ዉሑዳት ዓመታት ኣብ ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዙርያኣ ዘለዉ ናይ ክልል ኦሮምያ ነበርቲ ምስ ጎሓፍ ዝተተሓሓዘ ዘጋጠሞም ፀገምን ኣብ ክልተ ምምሕዳራት ዝነበረ ምጥምማት ብቐረባ ይከታተል ንዝነበረ ሰብ እዚ ሐዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ሓደጋ መንነትን ምኽንያትን ብርግፀኛነት ክዛረብ ይኽእል። ናይ ዴሞክራሲ ሓደጋ እንትኸውን መበገሲኡ ድማ ናይ ዴሞክራስያዊ መሰልን ነፃነትን ሕፅረት እዩ።  
  ካብዚ ቀፂለ ኣብ ቆሼ ናይ ጎሓፍ መወገዲ ኣከባቢ ዝበፅሐ ናይ ዴሞክራሲ ሓደጋ መንነትን ምኽንያትን ብመረዳእታ ኣደጊፈ ብዝርዝር ንምርዳእ ክፍትን እየ።
ብርግፅ ኣዲስ ኣበባ ካብ ኣመሰራርታኣ ጀሚሩ ኣብ ዙርያኣ ምስ ዘሎ ናይ ኦሮሞ ማሕበረሰብ ዝነበራ ርክብ ኢ-ፍትሓዊ ነይሩ። በዚ ድማ “ማስተር ፕላን” ናይቲ ፀገም ጀማርን ዛዛምን ኣብ ዝብል ፅሑፈይ መብርሂ ሂበሉ ነይረ። ምስ ምውጋድ ጎሓፍ ተተሓሒዙ ዝተኸሰተ ፀገም ናይዚ ነፀብራቕ እዩ።  
    ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሰንዳፋ ዘሎ ናይ ጎሓፍ መወገዲ ንህንፀት ቅድሚ ምርካቡ ናይ ቦታ ምምራፅ ናይ ኣከባብን መዋፃኣይነት መፅናዕቱ (Physical and feasibility study) ዝገበሩዎ ናይ ኣዲስ ኣበባ ዩንቨርስቲን “horn of africa regional enviromental center and network(HOARE&N) ብሓባር ኮይኖም እዮም። ብመሰረቱ ከምዚ ዓይነት ናይ ህንፀት ፕሮጀክት ቦታ ምምራፅን ናይ መዋፃኣይነት ቦታ ምምራፅን ካብ ዘገልግሉ ሓሙሽተ ዋናዋና መስፈሪታት ናይ ሕጊ መዋፃኣይነት (LEGAL FEASIBILITY) ሓደ እዩ። ብመሰረቱ እዞም ዝተጠቐሱ ክልተ ተቋማት ንኣዲስ ኣበባ ናይ ጎሓፍ መወገዲ ዝኸውን ቦታ ካብታ ከተማ 37 ኪሎሜትር ርሕቐት ከይዱ ኣብ ሓደ ሉኣላዊ ክልላዊ ምምሕዳር ናይ መሬት ትሕዝቶ ውሽጢ ኣትዩ ምምራፁ ንባዕሉ ካብ ሕጊ ወፃኢ እዩ።
   ብርግፅ ብዘመናዊ ኣወጋግዳን ምምሕዳርን ስርዓት መሰረት ቆሻሻ ከም ሽሙ ዘሰክፍ ዘይኮነስ ዘዋፅእ ቢዝነስ እዩ። ንኣብነት ናይ ኣዲስ ኣበባ ደረቕ ጎሓፍ መሊስካ ምጥቃምን ምውጋድን ፕሮጀክት ቤት ፅሕፈት ኣብ 2006 ዓ/ም ናይ በጀት ዓመት ጥራሕ ካብ 1.2 ሚልዮን ብር ኣታዊ ረኺቡ እዩ። ኣብ ቀፀልቲ 50 ወይ 60 ዓመታት ካብ ሕድሕድ ናይ ኣዲስ ኣበባ ነባሪ ብማእኸላይ ኣብ መዓልቲ 2.1 ኪዩብ ጎሓፍ እናኣከበ ናብ ሰንዳፋ ወሲዱ ብምድርባይ ብርክት ዝበለ ኣታዊ ከም ዝእክብ ትፅቢት ይግበር።  
  ናብዚ ብተወሳኺ ንክውዳእ ዝተወሰነ ዝተረፎ ናይ ቆሼ ካብ ደረቕ ጎሓፍ ኤሌክትሪክ መመንጨዊ ፕሮጀክት በቢመዓልቱ ናይ 50 ሜጋ ዋት ናይ ኤለክትሪክ ሓይሊ ከመንጩ እዩ ተባሂሉ ይግመት። እዚ ፕሮጀክት እንትዉዳእ ብማእኸላይ ብዓመት 22,265.000 ብር ካብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ሽያጥ ኣታዊ ይረክብ። ናብዚ ብተወሳኺ ንዝሓለፉ 50 ዓመታት ካብ ዝተጠራቐመ ጎሓፍ ውሽጢ ዝፍጠር “Methane” ዝበሃል ጋዝ ካብ ካርቦንዳይ ኦክሳይድ 20 ዕፅፊ ንኣየር ዝብክል እዩ። ናይ ቆሼ ደረቕ ጎሓፍ ኤሌክትሪክ መመንጨዊ ፕሮጀክት እዚ በካሊ ጋዝ ብምቕናሱ ዘበርኮ ኣስተዋፅኦ እታ ሃገር ካብ ካርቦን ክሬዲት በቢ ዓመቱ 100,000 ዶላር(2185000) ብር ትረክብ። ብኣጠቓላሊ ካብ ቆሼ ናይ ጎሓፍ መጠራቐሚ ብዝተሓሓዘ ጥራሕ ናይታ ከተማ ምምሕዳርን መንግስትን ብዓመት 25.6 ሚልዮን ብር ኣታዊ ትረክብ።
 ኣብ ናይ ኢፌድሪ ሕገመንግስቲ ዓንቀፅ 92 ካብ ዝተዘርዘሩ ናይ ኣከባቢ ድህንነት ሓለዋ ዕላማታት ከም ዘለዉ ኮይኖም ኣብ ሰንዳፋ ዝህነፅ ናይ ጎሓፍ መወገዲ ከም ትካል ንናይቲ ከባቢ ነበርቲ ማሕበራዊ ሓላፍነት ኣለዎ። ኮይኑ ግን እዚ ፕሮጀክት እዚ ናይ መወፃኣይነቱ መፅናዕትን ኣብ ናይ ቀፃሊ ትልሙ ንናይቲ ከባቢ ነበርቲ ማሕበራዊ ድሕንነት  ብፍፁም ኣብ ግምት ዘእተወ ኣይኮነን። ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ፅሬት ምምሕዳር ዋና መካየዲ ስራሕ ኣብ ሰንዳፋ ውን ተመሳሳሊ ናይ ኤለክትሪክ ሓይልን ካብ ካርቦን ክረዲት ኣታዊ ክርከብ ከም ዝኽእል ይጥቁሙ።    
   ኮይኑ ግን በቲ ቀዳማይ ኮነ በቲ ሓድሽ ፕሮጀክት ናይ ሰንዳፋ ማሕበረ ሰብ ካብቲ ኣታዊ ተጠቀምቲ ክኾኑ ኣይተገበረን። ንህንፀት እቲ ናይ ጎሓፍ መወገዲ ትካል 137 ሄክታር መሬት ካብቶም ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ተወሲዱ እዩ። ነቶም ሓረስቶት ተኸፊሉ ዝተብሃለ ጠቕላላ ናይ ካሕሳ መጠን 25 ሚልዮን ብር እንትኸውን እዚ እንተኽዕነ ውን ነቶም ሓረስቶት ብኣግባቡ ኣይተኸፈሎምን።         
     ኮይኑ ግን ናይ ኢፌድሪ ሕገመንግስቲ 1ይ፦ ኣብ ሃገርና መሬት ቀንዲ ናይ ሃፍቲ ምንጪ ስለ ዝኾነ ናይታ ሃገር ብሄርን ብሄረሰባትን ሓደ ናይ ፍትሓውነት ተጠቃምነት መረጋገፂ መሳርሒ ምዃኑ፣ 2ይ፦ ብናይ ሃገርና ኩነታት መሬት ምስ መንነት ዝተተሓሓዘ ስለ ዝኾነ ብሄርን ብሄረሰባትን ናይ መንነት መግለፂኦም ከዕብዩ ዝኽእሉ ካብ መሬቶም ንኸይንቀሉ ውሕስነት እንትረኽቡ እዩ ዝብል መርህ ኣሎ። ዓንቀፅ 49/5 ተግባራዊ ብዘይምግባሩ ምኽንያት ናይ ከባቢ ሰንዳፋ ነበርቲ ናይ መሬት ዋንነትን ተጠቃምነትን ንምርግጋፅ ዘኽእሉ ሕግን መምርሕን ኣይወፀን። በዚ ምኽንያት እቶም ነበርቲ ሕገመንግስታዊ መሰሎም ኣይተኸበረን። 
   ኣብዚ ክስመረሉ ዝግበኦ ነጥቢ እንተሃልዩ ናይቲ ከባቢ ሓረስቶት ንመሬቶም ይከፈሎም ዝተብሃለ ናይ 25 ሚልዮምን ብር ካሕሳ ናይቲ ፌደራል መንግስትን ናይ ኣዲስ ኣበባ ምምሕዳርን ካብቲ ጎሓፍ ጥራሕ ዝረኽቦ 25.6 ሚልዮን ብር ኣታዊ ዝነኣሰ ምዃኑ እዩ። እዚ ማለት እቲ ዝተውሃቦም ካሕሳ መንግስቲ ጎሓፍ መወገዲ ኣብ ሓደ ዓመት ጥራሕ ዝረኽቦ ገንዘብ እዩ። እስኪ ሕሰቡዎ፣ ርስሓታ ሰንዳፋ ወሲዳ ደፊኣ ብሚልዮናት ኣታዊ እንትትረክብ፤ ናይቲ ከባቢ ንፅህናን ናይ ነበርታ ጥዕናን እንትሕሎ፤ ናይ ሰንዳፋ ሓረስቶት ግን 18 ብር ኣብ ካሬሜትር ካሕሳ እናተኸፈሎም ካብ መሬቶም እናተፈናቐሉ  ናይ ከባቢኡ ንፅህናን ናይ ቤተሰቡ ጥዕናን ኣብ ሓደጋ እንትወድቕ ካብዚ ንላዕሊ ግፍዕን በደልን እንታይ ኣሎ።  
   ናይ ኣዲስ ኣበባ ዕብየት ተፈጥሮኣውን ክቋረፅ ዘይክእልን እዩ። ኮይኑ ግን እታ ከተማ ንዝሓለፉ 129 ዓመታት ክትገብሮ ከም ዝፀንሐት ኣብ ዙርያኣ ዘለዉ ናይ ኦሮምያ ሓረስቶት እናፈናቐለት ክትቅፅል ኣይትኽእልን። ከምኡ ካብ ምግባር ኣዲስ ኣበባን ኣብ ዙርያኣ ዘለዋ ናይ ክልል ኦሮምያ ነበርቲ ብሓባር ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ሓቢሮም ክዓብዩ ይግባእ።  ነዚ ድማ ኣብቲ ሕገመንግስቲ ዓንቀፅ 49/5 መሰረት፣ ግልፂ ዝኾነ ናይ ሕጊ ማዕቀብን ናይ ኣፈፃፅማ መምርሕን ክዳሎ ይግባእ።
   ናይ ኣዲስ ኣበባ ማስተር ፕላን ኣደላልዋ ካብዚ መርህ ወፃኢ ስለ ዝነበረ ብህዝባዊ ናዕብን ተቓዉሞን ንኽቋረፅ ተገይሩ እዩ። በዚ ድማ ናይታ ከተማ ዕብየት ኣብ ልዕሊ ዘለዋ ዉሱን ናይ ከተማ መሬት ናብ ሰማይ ንክኸውን ተወሲኑ። ኮይኑ ግን ናብ ሰማይ ንምዕባይ ውን ኣብ መሬት ጠጠው ምባል የድሊ።  ስለዚ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ንሃፋትም ዝኾኑ ሰማይ ጠቀስ ፎቛት ንምስራሕ ዘድልዮ ቦታ ንምርካብ ኣብ ምድሪ ዘለዉ ናይ ድኻታት መንበሪ ኣባይቲ ብወፈራ ምፍራስ ጀሚሩ። ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ዘይተርኣየ ካብ ሕጊ ወፃኢ ወረራ ሎሚ ግልፂ ኮይኑ ተራእዩ።  
   ብተመሳሳሊ ኣብ ሰንዳፋ ዝተልዓለ ናይ ሓረስቶት ተቓዉሞ ኣመልኪቱ ናይ ኣዲስ ኣበባ ናይ ፅሬት ምምሕዳር ቢሮ ሓላፊ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ዙርያ እቲ ጉዳይ ከም ዝተዛተዩን ኣብቲ ወቕቲ ኣብ ምርድዳእ በፂሖም ከም ዝነበሩ ይዝከር። ኮይኑ ግን በቲ ሕገ መንግስቲ መሰረት ፍሉይ ጥቕሚ ንምኽባር ዝከኣለሉ ዝርዝር ሕግን መርሕን ኣብ ዘይብሉ ምስ ናይቲ ከባቢ ሕብረተሰብ ምዝርራብ ንባዕሉ ሕጋዊ መሰረት የብሉን።
   ናብዚ ብተወሳኺ ናይ ኣዲስ ኣበባ ከንቲባ ወሲኹ ናይቲ ከተማ ኣመሓደርቲ ምስ ናይ ኦሮምያ ክልል ኣመሓደርቲ ኣብ ሰንዳፋ ብናይ ሰንዳፋ ጉዳይ ዝተልዓለ ንሸውዓተ መዓልቲ ዝኣክል ኣብ ዝገበሩዎ ኣኼባ ብዘይ ስምምዕ እዮም ተበቲኖም። ኮይኑ ግን ይትረፍ’ዶ ኣብ ስምምዕ ክበፅሑ እቲ ዘተ ንባዕሉ በቲ ሕገመንግስቲ ዓንቀፅ 49/5 ዝጥሕስ እዩ። እዚ ዓንቀፅ ተግባራዊ ክሳብ ዘይኮነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብጣዕሚ ብዙሓት መንበሪ ኣባይቲ ክፈርሱ እዮም። ልዑል ዝኾነ ናይ ጎሓፍ ኮምራታት ክእከብ እዩ። በዚ ድማ ነበርቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ናይ ባዕሎም መንበሪ ኣባይቲ ናይ ምህናፅን ፅሬቱ ኣብ ዝተሓለወ ኣከባቢ ናይ ምንባር መሰሎም ክረጋገፅ ኣይኽእልን።    
   ኣብ ላዕሊ ብዝርዝር ንምጥቃስ ከም ዝተፈተነ ናይ ፌደራል መንግስቲ፤ ናይ ኣዲስ ኣበባ ምምሕዳርን ናይ ኦሮምያ ክልል ምምሕዳርን ኩሎም ነቲ ሕገመንግስቲ ኣየኽበሩዎን። በዚ ምኽንያት ናይ ሰንዳፋን ናይ ኣዲስ ኣበባን ነበርቲ ሕገመንግስታዊ መሰሎም ኣይተኸበረን። ብምዃኑ ድማ ናይ ሰንዳፋ ነበርቲ ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝወፅእ ጎሓፍ ኣብ ከባቢኦም ንኸይድፋእ ብምቅዋም መንገዲ ዓፅዮም። እቶም ዝምልከቶ ኣካላት ድማ ንሰሙን ዝኣክል ኣኼባ ቀንዮም ነዚ ፀገም እዚ መፍትሒ ከቕምጡሉ ኣይከኣሉን።  
   ናይ ቆሼ ጎሓፍ መወገዲ ናይ ኣገልግሎት ዘመኑ ብምእኻሉ ክዕፆ ይግባእ ነይሩ። ኣብ ላዕሊ ብዝተጠቐሰ መልክዕ ናይ ሰንዳፋ ጎሓፍ መወገዲ ሕጋዊ መሰረት ኣብ ዘይብሉ ቦታ ምምራፅ ግልፅነት ብዝጎደሎ ጨረታ፣ ብዘይ እኹል ካሕሳን ክፍሊትን ንኣከባብያውን ማሕበረሰባውን ጥዕና ትኹረት ብዘይህብ መልክዕ ዝተኻየደ እዩ። ስለዚ ንዓመታት ዝተሰርሐ ስሕተት ብናይ መዓልታት ኣኼባ መፍትሒ ክረክብ ኣይከኣለን። ብሓደ ቢልዮን ብር ተሃኒፁ ዝተብሃለ ናይ ሰንዳፋ ጎሓፍ መወገዲ ተዓፅዩ። ናይ ኣገልግሎት ዘመኑ ወዲኡ ተዓፅዩ ዝነበረ ናይ ቆሼ ጎሓፍ መወገዲ ዳግም ተኸፊቱ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኣገልግሎት ክህብ ፀኒሑ።  
    ብኻሊእ ወገን ድማ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ንናይታ ከተማ ነበርቲ መንበሪ ገዛ ናይ ምርካብ መሰሎም ኣብ ክንዲ ዘረጋግፀሎም ካብ ሕጊ ወፃኢ ህንፀት እናበለ ናይ ምፍራስ ወፈራ ከቀላጥፍ ከሪሙ። ናይቶም ነበርቲ ጥርዓን ዝሰምዕ እንትጠፍእ ኣብቲ ጎሓፋት ላስቲኽ ዘርጊሖም ምንባር ጀሚሮም። ኣብ ቆሼ ካብ ሓሙሽተ ሚኢቲ ሰባት ንላዕሊ ካብቲ ጎሓፍ እናኣረዩ ናብረኦም ዝመርሑ እንትኾኑ ኣብቲ ሓደጋ ብበዝሒ ተጠቃዕቲ ዝኾኑ ውን ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዘይጠቅም ኣጉዶ ዝነብሩን ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾነ ናብራ ዝነብሩ ድኻታት ሰባት እዮም።
   ስለዚ እዞም ሰባት እዚኦም ብናይቲ ምምሕዳር ወፍሪ ዝተፈናቐሉ መንበርን መፅለልን ናይ ምርካብ መሰሎም ዝተነፈጉ ወይ ድማ ኣብ ዙርያ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘለዉ ናይ ኦሮምያ ከባብታት ብህንፀት መሰረት ልምዓትን ኢንቨስትመንትን ምኽንያት ካብ መሬቶም ዝተፈናቐሉ እዮም። 
  ናይ ሓደ ከተማ ምምሕዳር ነዞም ጎሓፍ እናኣረዩ ናብረኦም ዝመርሑ ዝነበሩ ዜጋታት ካሊእ ካብ ጎሓፍ ዝሐሸ ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር እንተዘይክኢሉ ካብቲ ህዝቢ ግብርን ታክስን ዝእክቦ እንታይ ክገብሮ ኢሉ እዩ? ደሓን ይኹን፣ እቲ ምምሕዳር ኣብ ዝኸፍአ ድኽነት ንዘለዉ ነበርቱ ናይ ስራሕ ዕድል ክፈጥር ዋላ ኣይኽኣል ብናይ ከተማ ሴፍትኔት ፕሮግራም ንኽሕቆፉ ክገብር ይግበኦ ነይሩ።
  ኮይኑ ግን ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ናይቲ ሴፍትኔት ፕሮግራም ክጅመር እዩ እናበሉ ካብ ምልፍላፍ ዝዘለለ ኣብ ተግባር ዝኾነ ስራሕ ኣይተሰርሐን። ብኣጠቓላሊ እዞም ሰባት እዚኦም መሰረታዊ መሰሎምን ኣገልግሎትን ሓሪሙዎም ዝሐሸ ምርጫን መማረፅን ስኢኖም እንተዘይኮይኖም ናብራኦምን ውዕሎኦምን ምስ ጎሓፍ ዝገብሩሉ ካሊእ ምኽንያት የብሎምን።  
   ሓደ ቢልዮን ብር ወፃኢ ዝተገበረሉ ናይ ሰንዳፋ ጎሓፍ መወገዲ፣ እቲ ናይ ህንፀት ከይዲ ኣሳታፊ፤ ግልፅነትን ተሓታትነትን ዝሰፈነሉ እንተዝኸውን ነይሩ ናይቲ ከባቢ ነበርቲ መሰልን ተጠቃምነትን ብደንቢ ከረጋግፅ ነይሩ እዩ። እዚ ብዘይ ምዃኑ ናይ ሰንዳፋ ነበርቲ ብተቓዉሞ መንገዲ ዓፅዮም። በዚ ምኽንያት ንሽዱሽተ ወርሒ ዝኣክል ብማእኸላይ 150 ሽሕ ቶን ጎሓፍ ናብ ቆሼ ንኽእከብ ተገይሩ። እዚ ድማ ብናይ መንግስቲ ግድየለሽነት ዝተፈጠረ ሓደጋ ስለ ዝኾነ ባዕሉ እቲ ስርዓት ሓላፍነት ክወስደሉ ይግባእ ዝብሉ ነበርቲ ብዙሓት እዮም።    
  ብኣጠቓላሊ ኣብ ፌደራል፤ ክልልን ከተማ ምምሕዳርን ደረጃ ዘለዉ ዝምልከቶም ናይ መንግስቲ ኣካላት ብፅሒቶምን ሓላፍነቶምን ብኣግባቡ እንተዝዋፅኡ ነይሮም ናይ ሰንዳፋ ጎሓፍ መወገዲ ኣብ ዝተመደበሉ ግዜ ተሃኒፁ ኣገልግሎት ምሃብ ክጅምር ነይሩ እዩ። ካብ ኣገልግሎት ወፃኢ ዝነበረ ቆሼ ዳግም ተኸፊቱ ካብ ዓቕሙ ንላዕሊ ኣገልግሎት ንክህብ ኣይምተገበረን ነይሩ። እቲ ሓደጋ እንትበፅሕ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ 150 ሰባት ድማ ኣብቲ ቦታ ኣይምተረኸቡን። እቲ ሓደጋ ኣብ ዝኾነ ኣጋጣሚ ዋላ እንተዝለዓል ክንድ’ዚ ዝኣክል ህይወት ዜጋታት ግን ክሓልፍ ኣይምኽኣለን። 
   ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባን ኦሮምያ ክልላዊ ምምሕዳርን ዘለዉ ናይ መንግስቲ ሓለፍትን ኣገልግሎት ወሃብቲ ትካላትን ስርሖምን ተግባሮምን ኣሳታፍን ቅልጡፍን ከምኡ ‘ውን ግልፅነትን ተሓታትነትን ብዝሰፈኖ መልክዕ እንተዝከናወን ነይሩ ኣብታ ከተማ ካብ ሕጊ ወፃኢ ህንፀት ኣይስፋሕፋሕን፤ መንበሪ ኣባይቲ ኣይምፈረሱን፤ ሓረስቶት ካብ መሬቶም ኣይምተፈናቐሉን፤ ዘድሊ ናይ ማሕበራዊ ውሕስነት ስርዓት እንተዝዝርጋሕ ነይሩ ዜጋታት መንበሪኦም ኣብ ጎሓፍ ኣይምገበሩን። ልዕሊ 500 ሰባት ካብ ጎሓፍ ምግቢ ክኣርዩ ኣይምወዓሉን።
   እዚ ኩሉ ነቲ መንግስቲ ሓላፍነት፤ ነቲ ህዝቢ ድማ መሰል እዩ። መንግስቲ ሓላፍነቱ ብኣግባቡ እንተዝዋፃእን ናይቶም ነበርቲ መሰል እንተዝኽበር ነይሩ ናይ ሰባት ህይወት ብዘይ ኣግባብ ኣይምጠፍአን ነይሩ። ስለዚ ናይ ቆሼ ሓደጋ ብናይ ዴሞክራሲ ስእነት ምኽንያት ዝተፈጠረ እዩ።       
ስዩም ተሾመ

No comments:

Post a Comment