Monday, April 3, 2017

መፅናዕትን ምርምርን ኢህወዴግ ኣብ ስልጣን ንምቕፃል ዝግበር ፃዕረ ሞት እዩ!!



     ሓደ ህዝብን ሃገርን ወኪሉ የመሓድር ኣለኹ ዝብል ስርዓት ዝኽተሎ መምርሒ ይኹን ፖሊሲ መለኪዒኡ ኩለመደያዊ ዕብየትን ተጠቃምነትን ናይ ዜጋታት ብምብራኽ፣ ሰላም፣ ፍትሒ፣ ዴሞክራሲ፣ ልምዓት፣ ሰናይ ምምሕዳር ብተግባር እንተረጋጊፁ እዩ።
    ነዚኦም ንቕድሚት ንኸይስጉም ዝሓልኩዎ ማሕንቖታት እንተጋጥሙ ድማ ካብ ስሮም ምሒው ንምሽንዳው መፅናዕትታት ብምክያድ ድኽመታቱ ነቒሱ ብምእራይ ኣብታ ሃገር ብቐንዱ ድማ ኣብቲ ህዝቢ ዝጭበጥ ናይ ተግባር  ለውጢ ከምፅእ ኣለዎ።
    ነዚ መንገዲ'ዚ ስሒቱ ኣብ ናይ በይኑ ዓለም ክነብር ላዕልን ታሕትን ዝብል ስርዓት እንተኾይኑ ግን፣ ፖሊሲኡ መንገዲ ዕንወትን ዕግርግርን ድሕረትን ድኽነትን ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘረጋግፆ፣ ሰላም፣ ልምዓት፣ ዴሞክራሲ ይኹን ሰናይ ምምሕዳር ኣይክህሉን።
    እዚ ካብ በልና እምበኣር ናብቲ ንህዝብናን ሃገርናን ናብ ሓደጋ ኣሳጢሑዋ ዘሎ ውፅኢት ኣልቦ ዝኾነ ፖሊሲ ኢህወደግ ክነልዕል ስለ ዝደለና እዩ። እዚ ናይ ውሑዳት ጉጅለ ስርዓት እዚ፣ በብግዚኡ ክኽተሎ ዝፀንሐን ዘሎን ኣዕናዊ ፖሊሲኡ፣ ንህዝብታት ሃገርና ሓድነቶም በጣጢሱ ናይ ቃል ዓለም መዝሙር ሓድነት እናስመዐ፣ ናብ ህልም ዝበለ ፀድፊ ድኽነትን ሓደጋን እናንቆልቆለ ብናይ ተስፋ ጥዑማት ልሳን ዓጂቡ ዕብየት እናበለ ናይ በይኑ ገነት ዝፈጠረ እዩ።
    እቲ እናተኸተሎ ዝመፀን ዘሎን ኣዕናዊ ፖሊሲኡን ምሕደርኡን ድማ ህዝቢ ኢትዮጵያ በቢ እዋኑ ኣስተኻኽል እናበለ ምዕዱኡ እናሃበ ዝመፀ እኳ እንተኾነ፣ ነቲ ናይ ህዝቡ ምዕዶን መአረምታን ብዓይኒ ቅንዕና ወሲዱ ብኣግኡ ካብ ሓደጋን ጥፍኣትን ዘድሕን ኩነታት ከመቻቹ ሕልንኡ ኣየፍቀዶን።
    ሕልንኡ ካብ ህዝቢ ርሒቑ ኣብ ናይ ውልቃዊ ሂወቱን ናብርኡን ዝጠሓለ ኣካል ድማ፣ ንህዝብን ሃገርን ብዘላቕነት ዘውሕስ ተግባር ክሰርሕ እዩ ኢልካ ኣይትፅበዮን። ስለ ዝኾነ እዚ ፀረ ህዝቢ ስርዓት እዚ ብዘለዎ ኩቱር ናይ ስልጣን ስሰዐ ንምርዋይ ክብል፣ መፃንሒ ክኾኑኒ ይኽእሉ እዮም ዝብሎም ዝተፈላለዩ ሜላታት ክፍብርኽ ግድን ኮይኑዎ 'ሎ።
   ነቲ ካብ ወገኑ በቢ እዋኑ ክቐርበሉ ዝፀንሐ ምኽርታት ፀማም እዝኒ ብምሃብ፣ ገባሪ ሓዳጊ ኮይኑ ናብ ምንታይ ኩነታት ኣሳጢሑዎ? ዕጭኡ እንታይ ይፅበዮ ከም ዘሎ ብዝግባእ ስለ ዝፈልጥ፣ ነዚ ኩነታት ዝተፈላለዩ መምርሕታትን ኣዋጃትን እናውፀአ ወግሐ ፀብሐ ብምግልባጥ ከስተኻኽል እየ እኳ እንተበለ፣ ኮይኑ ግን እቲ ቀዳማይ ቀዲሙ ንህዝብን ሃገርን ናብ ሓደጋ እናሳጥሐ እቲ ዳሕረዋይ ይሓይሽ ዝበሃለሉ መንገዲ የለን።    
   ናይዚ ኣብነት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት እቲ ናይ ፌደራል ናይ ስራሕ ፈፃሚ ኣካል ብዘቃልሖ መሰረት ኣብታ ሃገር ዝተፈጥረ ጌጋን ሓደጋን ተሓታቲኡ እቲ ላዕለዋይ ኣካል ከም ዝኾነ ብምግላፅ ምስኡ ተተሓሒዙ ድማ ብናይ ፖሊሲ ማእኸል ምርምርን መፅናዕትን ብዝተገበረ ፅንዓት ብዝብል ብዛዕባ መድረኻት ሰናይ ምምሕዳር ሃገራዊ ኣጀንዳ ብምግባር በዓል ዋና ናይቶም ሽግራት ኣሊኻ ተኣምር ዘበለ ለውጢ ከም ዝፍጠር ተበሲሩ ነይሩ።
   እንተኾነ ግን ህዝቢ ኢትዮጵያ ተዓቢጦም ዝፀንሑ መሰረታዊ ሕቶታቱ ኖቲጎም ናብ ኣደባባይ ብምውፃእ ይኣክል ምድንጋር፤ ይኣክል ጭቆና ክብሎም እዩ ተራእዩ። ኣብዚ ኩነታት ዝተፈጥረ ህልቂትን ዕንወትን ድማ ገዛ ይቑፀሮ ዘብል እዩ።
   ኣብዚ እዋን ድማ ሕሉፍ ዝበልዎ ረሲዖም እንደገና ብሓዱሽ ብናይ ፖሊሲ ማእኸል መፅናዕትን ምርምርን ዝተፀንዐ ተባሂሉ ፀገማትን ናይ መፍትሒ ሓሳባትን ብሚድያ ክገልፁ ይረአዩ ኣለው። ንርብዒ ክፍለ ዘመን ዝኣክል ብዘይ ዝኾነ ለውጢ ዝቐፀለ ስርዓት ኣብ ሎሚ በፂሑ ናይ ለውጢ መንኮርኮር ክውንጭፍ ኣይኽእልን።
   ኣብታ ሃገር ኣንፀላልዮም ዘለው ኩለመደያዊ ሽግራትን ናይ ህዝቢ ወሳናይነትን ልዕልና ሕግን፣ ብተግባር 'ምበር ወግሐ ፀብሐ ብዝቀያየር መምርሒ መፍትሒ ክመፅእ ኣይኽእልን።
  

No comments:

Post a Comment