Tuesday, May 2, 2017

ነፃነት ዜጋታት ኣብ ዝተዓፈነላ ሃገር ልምዓት ክተሳልጥ ኣይትኽእልን!!



   ነፃነት ንደቂ ሰባት ብተፈጥሮ ዝተውሃቦም ፀጋ ምዃኑ ዝከሓድ ኣይኮነን። እዚ ማለት ድማ ነፃ ኮይንካ ክትሓስብ፣ ክትዛረብን ናይ ሰባት ተፈጥሮኣዊ ባህሪ እንትኸውን ከምኡ ‘ውን ናይ ሰብነቶም ሰብኣዊ መግለፂ እዩ። ነፃነት ዘይብሉ ሰብ እንተኾይኑ ድማ ሰብኣዊ ክብሩ ተመንዚዑ ኣሎ ማለት እዩ። ወዲ ሰብ ግን ብተፈጥሩኡ ካብ ዝኾነ ዓይነት ዕዳን እገዳን ነፃ ኮይኑ ሂወቱ ብነፃነት ክመርሕ ዝተዓደለ’ኳ እንተኾነ ብሰንኪ ስርዓት ኢህወደግ ግን እዚ ነፃነት እዚ ከረጋግፅ ኣይክኣለን።
   ስለዚ ሰባት ሂወቶም ብነፃነት ንምምራሕን ኩሎም ዜጋታት ዝኣምኑዎን ንኹሎም ማዕረ ዝገብር መንግስቲ ወይ ስርዓት ትፅቢት ናይ ዜጋታት እኳ እንተኾነ ብተግባር ዝሰርሕ ግን ክርከብ ኣይተኽኣለን። ኩሉ ሰብ ብናይ ባዕሉ ድልየትን ምርጫን ክንቀሳቐስ እንተዘይክኢሉ ድማ ኣብ ስግኣት ዝዓሰሎ ጉዕዞ ሂወት ክሳጣሕ ይግደድ። ኣብ ከምዚ ዓይነት ሃዋህው ኮይንካ ዝምራሕ ሂወት ድማ ሕድሕዳዊ ምትእምማን ክህሉን ልምዓት ከሳልጥን ይኽእል እዩ ኢልካ  ኣይሕሰብን።
   ኩሉ ግዜ ነፃነቱ ዝሰኣነ ህዝቢ እንተኾይኑ ድማ ነፃነቱ ንምርካብ ኣብ ዝረኸባ ኣጋጣሚ ብምጥቃም ቃልሱ ካብ ምቅፅፃል ድሕር ኣይብልን። ስለዚ ኩሉ ሰብ ብናይ ባዕሉ ድልየትን ምርጫን ነፃነቱ ረኺቡ ክንቀሳቐስ እንተዘይክኢሉ ሰባት ተኣማሚኖምን ተመሓዝዮምን ክነብሩ እንተዘይክኢሎም ነፃ ኮይኖም ኣብ ልምዓት ክዋፈሩ ኣይኽእሉን።
  ስለ ዝኾነ ኣብ ሓንቲ ሃገር ዝነብሩ ዜጋታት ነፃነቶም ንምርግጋፅን ካብ ስግኣት ሓራ ንምውፃእ ዝተወደበ ሓይሊ ዘለዎ መንግስቲ እዩ ዋላ እኳ እንተተብሃለ፣ ኮይኑ ግን ስርዓት ኢህወደግ ነፃነት ዜጋታት ከኽብርስ ይትረፍ ባዕሉ ነፃነት ዜጋታት ብምዕፋን ሽግሮም ብሰለማዊ ሰልፊ ንዘቃልዑ ወገናት ብኣዋጅ ሓፂሩ ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ብምድጓን ሂወት ዜጋታት ኣብ ምሕላፍ ተፀሚዱ ይርከብ።
  ስልጣን መንግስቲ ማለት ግን ካብ ሕድሕድ ሰብ ዝተውሃቦ ሓደራን ሓላፍነትን ኮይኑ መሰልን ነፃነትን ዜጋታት ንምኽባር ድማ ጠጠው ክብል ይግባእ። ምኽንያቱ ሕድሕድ ዜጋ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ መሰሉ ከይተዳፍአ ዝደለዮ ነገር እናሰርሐ ናይ ምዝራብን ምፅሓፍን መሰሉ ተሓልዩሉ ኣብ ሃገሩ ብሰላም ክነብር ካብ ናይ ወፃኢ ወራሪ ሓይሊ ሓለዋ ክግበረሉን ባዕሉ ንባዕሉ ናይ ምምሕዳር መሰሉ ክጎናፀፍ ንመንግስቲ ዋላ እንተቕረበ ክኽበረሉ ግን ኣይክኣለን።
  ስለዚ መንግስቲ ናይ ዜጋታት ነፃነት ሓለዋ ክገብረሎም ግዴታ ኣለዎ ‘ምበር ነፃነቶም ንምዕፋን ዘኽእል ስልጣን ኣይተውሃቦን። ፍርሕን ስግኣትን ንምውጋድ ዝተቛቖመ ኣካል 'ምበር ባዕሉ ስግኣት ክፈጥር ኣይግባእን። ብመሰረቱ ህዝቢ ኢትዮጵያ ነፃነት ዜጋታት ንምርግጋፅ ክብል ነፃነቱ ስኢኑ ዝተኸሎ ስርዓት ተመሊሱ ኣብ ልዕሊኡ ክዕንድር ኣይግባእን። ስለዚ መንግስቲ ናይ ዜጋታት ነፃነት ዝዕፍን እንተኾይኑ ዕላምኡ ስሒቱ ኣሎ ጥራሕ ዘይኮነስ ናይ ዜጋታት ነፃነት ዝመንዘዐ መንግስቲ  ኮይኑ ኣሎ ማለት እዩ።
  ናይ መንግስቲ ህልውና ዝምስረት ግን ናይ ዜጋታት መሰልን ነፃነትትን ኣብ ምኽባር ዝተመስረተ እዩ እናተብሃለ ዝግለፅ’ኳ እንተኾነ፣ ኣብ ተግባር ክረአ ከሎ ግን ናይ ዜጋታት መሰልን ነፃነትን ዝረጋገፀሉ ዴሞክራስያዊ ስርዓት ብምትካል ሰለስቲኦም ኣካላት መንግስቲ ስርሖምን ሓላፍነቶምን ነፃን ገለልተኛን ኮይኖም ዝተውሃቦም ስልጣን ብዝግባእ ክዋፅኡ እንተኽኢሎም ጥራሕ እዩ።
   ኮይኑ ግን ስርዓት ኢህወደግ እዞም 3 ኣካላት መንግስቲ ዝተውሃቦም ስራሕን  ሕገ መንግስታዊ ተልእኾን ስልጣንን ንክዋፅኡ ዝተመዓራረየ ባይታ ይኹን ተኽእሎ የብሎምን። ብምዃኑ ድማ ሎሚ ናይ ዜጋታት መሰልን ነፃነትን ከኽብሩ ኮነ ክኽበር ኣይከኣሉን።
  ከም ውፅኢቱ ድማ ህዝቢ ነፃ ኮይኑ ሓሳቡ ከሰላስል ኣብ ዝፍትነሉ ግዜ ከም ወንጀለኛ እናተርኣየ ዝመሰሎ ብምፅሓፉን ብምቅዋሙን ንማእሰርትን ስደትን እናተቓልዐ፣ ብሓፈሻ ኣብ ሃገሩ ብነፃነት ክነብርን ተዘዋዊሩ ሰሪሑ ሂወቱ ንኸይመርሕ ብሓይልታት ፀፅታ እናተሓለውን ኣብ ከቢድ ስግኣትን ምጥርጣርን ወዲቑ ይርከብ። ስለዚ መንግስቲ ኣብዚ ሃዋህው'ዚ ኮይኑ ዕብየትን ምዕባለን ከምፅእ እዩ ኢልካ ትፅቢት ዝግበረሉ ኣይኮነን። እኳ ድኣ'ስ ንውድቀት ባዕሉ ዝዕድምን ዝደፋፍእን እምበር። ስለዚ ናይ ዜጋታት መሰልን ነፃነትን ኣብ ዝተኣገደ ሃገር ልምዓት ይኹን ዕብየት ክሳለጥ ኣይኽእልን።

No comments:

Post a Comment