Tuesday, May 2, 2017

ሰብኣውነት ዘይብሉ ሰብኣዊ ምርመራ



  ህዝብን ሃገርን ወኪሉ መንበረ ስልጣን ዝሓዘ መንግስቲ ወይ ገዛኢ ፓርቲ ብቐዳምነት ሰሪዑ ተግባራዊ ክገብሮ ዝግባእ ነገር እንተድኣ ሃልዩ ውሕስና ዜጋታቱ ክሕለወሉ ዝኽእል ሕገመንስታዊ መሰላት ብምርግጋፅ ንዘላቒ ሰላምን ዕብየትን ጠጠው ክብል ይግባእ።ምኽንያቱ ሃገር ማለት ዋንኡ ህዝቢ እዩ፣ኣብታ ሃገር ዝነብር ውሕሱኑኡ ዝተረጋገፀሉ ህዝቢ ድማ ኣብ ኩለመደያዊ ዕብየትን ህንፀትን ሃገር በዓል ዋና ይኸውን ማለት እዩ።
  ህዝቢ በዓል ዋንኡ ዝገበረ መንግስቲ ድማ ንዘሳልጦም ዓበይቲ ይኹኑ ኣናእሽቲ ስራሕቲ ተቐባልነት ይህሉዎ ማለት እዩ።ናይ ህዝቢ ውሕስናን ወሰናይነትን ዘየኽብር መንግስቲ ድማ ህዝብን ሃገርን ወኪሉ ኣብ ስልጣን ዝቕፅለሉ ባይታ የቡሉን።
  ኣብ ስልጣን ከፅንሖ ዝኽእል መንገዲ እንተሃልዩ ድማ ሓደ ጥራሕ እዩ።ኑሱ እውን ኣብቲ ሕገ መንግስታዊ ዝሰፈሩ መሰል ናይ ዜጋታት እናተርበዐ ኣብ ልዕሊ ወገናቱ ብሓይሊ ጨፍሊቑ ሃፍቲ ህዝብን ሃግርን ናብ ውልቀ ውሑዳት እናተመንዘዐ ዝተፈላለዩ ምኽንያታት እናሃበሉ ክነብር ምፅዓር እዩ።ስለዚ በዚ መንገዲ እዚ ፈቲኖም ብቕልፅም ሓፋሽ ዝዓነው መንግስታት ናብ ካልኦት ሃገራት ከይከድና ኣብ ሃገርና ዘሎ ህሉው ኩነታት ምርኣይ እኹል ኣብነት እዩ።
  በዚ መሰረት ድማ ሃገርና ኢትዮጵያ ካብ ምልኪ ናብ ምልኪ እናተሰጋገረት ዜጋታት ውሕስነቶም ዘረጋግፅ ሕገመንግስታዊ መሰሎም እናተጥሓሰ ነፃነቶም ስኢኖም ኣብ ከርፋሕ ናብራ ድኽነትን ከርተትን እናሕለፉ ብቓልሶም ምልካውያን እናደርበዩ ከም ዝመፁ ናይ ቀረባ ታሪኽ እዩ።
  ሎሚ እውን ነታ ሃገር ብሓይልን ብናይ ምድንጋር ስራሕቲ ኣብ መምበረ ስልጣን ሒዙ ክጎዓዝ ዝፀንሐን ዘሎን ገዛኢ ፓርቲ ኢህወደግን ተለጠፍቲ ኣጋር ውድባቱን ክንርኢ ከለና ድማ ውክልናን ድልየትን ህዝቢ ረኺቡ ንኽቕፅል ባይታ የብሉን።
  ስለ ምንታይ ዳኣ ኣብ ስልጣን ይቕፅል ኣሎ እንተድኣ ተባሂሉ ድማ ካብ እዋን ናብ እዋን ብዝሰርሖም ጌጋታቱን ኣረሜናዊ ተግባራቱን ካብ ህዝቢ ከም ዝነፀልዎ ብዝግባእ ስለ ዝፈልጥ ህዝቢ ንምጭፍጫፍ ብዘዋፈሮም መሳርዕ ሓይልታት ፀፅታን መሓውር ስለያን ገይሩ ዓፊኑ ንምሓዝ ዝጥቀመሉ ግዝያዊ ከለላ ንምግባር ነቶም ኣብ ሕገመንግስቲ ዘስፈሮም ሽማዊ መትከላት ዴሞክራሲ ብምዕፃው ነፃነት ዜጋታት ብምስኣን ናብ ህልም ዝበለ ምልክነትን ኣምባገነናዊ ምሕደራን ብምጥንኻር ከምኡ እውን ውሽጣ ውሽጢ ብዘሳውሮ ዘይዝሕል ባርዕ ኣብ ሞንጎ ህዝብታት ነኒ ባዕሎም ክተፋነኑን ሓድነቶም ክሕርፍፍን ገይርሩ ንኻልኦት ሓይልታት ብምልጣፍ እናደናገረ ኣብ ስልጣን ምቕፃል መማረፂ ዘይብሉ መንገዲ ኣጠናኺሩ ይሰርሐሉ ስለዘሎ እዩ።
  ስለ ዝኾነ ድማ ህዝብና በዚ ስርዓት እዚ ኣብ ልዕሊኡ ብዝበፅሖ በደልን ዓፈናን ሕገመንግስታዊ መሰሉ መሰረት ገይሩ ንዘልዓሎ ሕቶ ዴሞክራሲ ፣ልምዓት ፣ሰናይ ምምሕዳር ወዘተ...ኣብ ክንዲ ዘላቒ መፍትሒ ምርካቡ ብሓይሊ ብረት ክቑሽመድ ተፈድዩ እዩ።እዚ ብምዃኑ ድማ ተገዲዱ ቁጥዕዑ ንምግላፅ ናብ ኣደባባይ ክወፅእን ናብ ዓመፅ ከምርሕን ክኢሉ እዩ።ኣብዚ ህሞት እዚ ዝጠፍአ ሂወት ኑፁሃት ወገናት ዝበፅሐ ናይ ኣካል ሞጉዳእቲ ዝዓነወ ንብረትን ጥሪትን ብነፃን ገለልተኛን ኣካል እንተዝፍተሽ ሓቁ ክገሃድ ነይሩ።    
  እንተ እቲ ምልካዊ ጉጅለ ግን ናይዚ ኩሉ ጠንቅን ፈፃሚኡን እናሃለወ ባዕሉ ብዝወከሎን ጨና ሰብኣውነት ዘይብሉ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብዚ ቕንያት እቲ ስርዓት ካብ ሰነ 2008 ዓ/ም ክሳብ መስከረም 2009 ዓ/ም ኣብ ልዕሊ ኑፁሃት ወገናት ዝተፈፀመ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣፅኒዐ ኢሉ ነቲ ውክልና ህዝቢ ዝሓረሞ ፓርላማ ዘቕረቦ ፀብፃብ ብዝምልከት መርኣያ ሽንፈቱን ፀግዒ ናይቲ ኡኩይን ሰይጣናዊ ጉጅለ ምዃኑ ብግልፂ ኣስሚዑ ኣሎ።
   ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ እቲ ሕዚ መርማሪ ጉጅለ ኣዋፊረ ኣብ ክልል ኦሮሞ ኣምሓራ ኣብ ደቡብ ህዝብታት ኢትይጵያ መሰረት ገይረ ኣፅኒዐዮ ዝበሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብዝምልከት ዘውፀኦ ዝርዝር እቲ ሓቂ ነቲ በዓል ዋና ህዝቢ ገዲፍና፣
   ብመሰረቱ እዚ ጉጅለ እዚ ዴሞክራስያዊ መሰሉ ክረክብ ንዝሓተተን ሕገመንግስታዊ መትከል መሰረት ገይሩ ናብ ኣደባባይ ወፂኡ ተቓውምኡ ንዝገለፀ ህዝቢ ብሓይልታት ፀፅታ ኢህወደግ ብተኹሲ ጠያይት ሂወት ኑፁሃት ዜጋታት እንትሓልፉ፣ብበትሪ እናተገረፉ ኣካሎም ክጎድሉን መንብዒ ጋዝ እናተደርበዮም ተፀቓቒጦም ከቢድን ፈኲስን ጉድኣት እንትበፅሖም ኑፁሃት ወገናት ብጥርጣረ ዓይኒ እናተርአዩ ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣትዮም ብዘይፈፀሙዎ ገበን እሞኑ እናተብሃሉ ክሳቐዩ ዝፀንሑን ዘሎውን ከምኡ እውን ብስዉር ተጨውዮም ሃለዋቶም ዝሃጥሙ ዘሎው ዜጋታት ንምውሓስን መርኣያ ሰብኣውነቱ ዝኸፈሎ መስዋእትን ኣስተዋፅኦን እንታይ ኣሎ እንተተባሂሉ የለን እዩ መልሱ።
  ስለዚ ኑፁሃት ዜጋታት ኣብ ማእኸል ጎደናታት ሂወቶም እናሰኣኑ ሕገመንግስታዊ መሰሎም እናተጥሓሰ ኣፅቂጡ ዝርእን ዝዕዘብን ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኣብ ዝበፅሐ ጉድኣት ዘካይዶ ምርመራ ሰብኣውነቱ ኣየረጋግፅን።
  ምኽንያቱ ንመሰልን ውሕስናን ዜጋታት ዝሕለቕን ዝከላኸልን ጉጅለ ወይ ኮሚሽን ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰል ናይ ዜጋታት ብሕገ መንግስቲ ዝተፈቐደሎም ኩሎም መሰላት ከይተሸራረፉ ኣብ ግብሪ ንውዓል ዝከራኸር እንትጠሓሱ ድማ ነቲ ገበነኛ ብእዋኑ ተኸታቲሉ ናብ ቅድሚ ሕጊ ብምቕራብ መሰልን ድሕንነትን ዜጋታት ከውሕስ ከሎ እዩ።
እንተዘይኮኑ ፀግዒ ናይቲ ገበነኛ ኣካል ኮንካ ዝካየድ ምርመራ ሰብኣውነት ኣየረጋግፅን።
  

No comments:

Post a Comment