Friday, June 23, 2017

ኣብ ሰሜን ኣዲስ ኣበባ ሕጽረት ቀረብ ዝስተ ማይ ብምግጣሙ ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ዝኸፍአ ናይ ማይ ፀገም ኣጋጢሙና ክብሉ ብምረት ገሊፆም።



   ስርዓት ኢህወዴግ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኩሉ ናይ መሰረተ ልምዓት ጠለባት ተማሊኡላ መዲና ኣፍሪካ ኮይና እያ ኢሉ ኣብ ዝዛረበሉ ዘሎ እዋን፣ ኣብ ኩሉ ናይ ኣዲስ ኣበባ ከባቤታት ብፍላይ ድማ ኣብ ሰሜን ኣዲስ ኣበባ ሽሮ ሜዳን እንጥጦን ከምእዉን ኣብ ካልኦት ብርክት ዝበሉ ከባቢታት ኣዲስ ኣበባ ዝለዓለ ናይ ማይ ፀገም ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ተገሊፁ።
   ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ከም ዝገለፅዎ ብበዝሒ ታራ ምኽንያት ህዝቢ እናተጓነፀ ከም ዝርከብን ኣብ ዉሽጢ ሰለስተ ወርሒ ‘ዉን ንምሕፃብ ከም ዝሽገር ገሊፆም። እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ማይ ፀገም ኣብ ኣታሓሳሳቢ ደረጃ በፂሑ ነበርቲ ንዝተፈላለየ ማይ ወለድ ፀገማት እንትሳጥሑ መንግስቲ ናይ ቃላት ተስፋ ካብ ምዝራብ ሓሊፉ በዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ፀገም ተገዲሱ ዘቐመጦ መፍትሒ ከም ዘየለ ናይቲ ግዳይ ተፀለዉቲ ዝኾኑ ነበርቲ ብምረት ገሊፆም።

No comments:

Post a Comment