Friday, June 23, 2017

ስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ኣደናጊሩ ኣብ ስልጣን ንምቕፃል ክብል ንሃገሮም ክብሉ ብዝተሰዉኡ ጀጋኑ ሰማእታት ስም እናቀለደ ከም ዝርከብ ዝተፈላለዩ ወገናት ገሊፆም።



 ርኢቶ ወሃብቲ ወገናት ከም ዝገለፅዎ፣ ጀጋኑ ሰማእታትና ዝወደቑሉ ዕላማ ኣብ ሃገርና ዝሐሸ ስርዓት ተተኺሉ ዉፁዕ ህዝብና ዴሞክራሲ፣ ልምዓት፣ፍትሕን ናፃነትን ረኺቡ ብማዕርነት ክምራሕ እምበር፣ ዝኸፍአ ስርዓት ኣብ ወንበር ኮፍ ኢሉ 26 ዓመታት መመላእታ ንህዝቢ ዝጠቅም መሰረታዊ ለዉጢ ከየምፀአ መሰለይ ኢሉ ንዝሓተተ ዜጋ እናኣሰረን እናቐተለን ኣብ ግዕዝይና ተዘፊቑ ብስም ግዝያዊ ኣዋጅ ናይ ስልጣኑ ዕድመ ዘናዉሕ ስርዓት ንምህናፅ ኣይነበረን ክብሉ ገሊፆም።
 ስርዓት ኢህወዴግ ንስድራ ሰማእታት ዝግበኦም ካሕሳን ክብርን ከይሃበ ከምኡዉን ኣብ ግዜ ቃልሲ ዝኣትዎም ዝነበረ መፅበዓታት ከየተግበረ ብስም መዓልቲ ሰማእታት 15 ሰነ ዝገብሮ ናይ ምድንጋር ሜላ ኮነ ተባሂሉ ናይ ህዝቢ ቀልቢ ንምስሓብ ዝተሃንደሰ ድራማ ምኻኑ ገሊፆም።

No comments:

Post a Comment