Sunday, June 11, 2017

ግናይ ፖሊስን ምሕደራን ኢህወደግ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣



   እታ ርእሲ ከተማ ሃገርናን ምቕማጥ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣፍሪካን ዝኾነት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብደጊኣ ሰማይ ጠቀስ ብዝኾኑ ህፃታትን ትካላትን ብዓይኒ ማዕዶ ንዝተዓዘበ ኣካል ሕምብረቲ ዕብየትን ምዕባለን ኮይና ኣላ ኢሉ ምስ ናይቲ ስርዓት ፕሮፖጋንዳ ብዝመሳሰል መንገዲ ክገልፅ ይኽእል ይኸውን።
  እንተኾነ ግን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ጎደና ምዕባለን ዕብየትን ዘይኮነትስ ማእኸል ፈተነ ግናይ ፖሊስን ዕንወትን ኢህወደግ፤ መንበሪ ሰብ መዋእለ ንዋይን ሰበ ስልጣን እቲ ስርዓት እናኾነት፣ ድኻታት እናገለፈት ንዝተፈላለየ ማሕበራዊ ፖለቲካዊ ኢኮኖምያዊ ስነልቦናዊ ሃስያታት እናበፅሖም ይነብሩ ኣለው።
   ብፍላይ ድማ ነባሪ ህዝቢ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ውፅኢት ብዘይብሎም በብግዚኡ ዝገላበጡ ኣዋጃትን መምርሕን ግዳይ እናኾነ ክንከላበት ይገብርዎ ኣለው። ናይዚ ተርእዮ እዚ ብቐዳምነት ኣልዒልካ ክረአ ዝከኣል፣ ነታ ሃገር ወኪሉ ዝገዝእ ዘሎ ገዛኢ ፓርቲ ኢህወዴግ ብተኸታታሊ ዝገላብጦ ማስተር ፕላን ኣዲስ ኣበባ ሓንሳብ ፊንፊኔ ካብ ኣዲስ ኣበባ ክትረኽቦ ዝግባእ ፉሉይ ጥቕሚ እናተብሃለ ዝሕመስ ዘሎ ኣካይዳ ምጥቃስ ይከኣል እዩ።
  ግዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ኢህወደግ ካብ ስልጣን ዝቆናጠጥ ኣትሒዙ ክሳብ ሕዚ ነዚ ናይ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሽግር ንፁርን ዘላቕን ዝኾነ መፍትሒ ክረክብ፣ ኣብ ልዕሊ መንበሪ ዘይብሎም ድኻታት ዝበፅሕ ዘሎ ማህሰይቲ ከብቅዕ፣ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ድኻ እናገለፍካ መሬት ኣብ ኢድ ዉሑዳት ሃፋትም ናይ ምጥቕላል ከይዲ ጎይላ ጥፍኣት ምዃኑን ኣደብ ክግበሮን በብእዋኑ ካብ ነባሪ ህዝቢ እታ ከተማ ብተደጋጋሚ ጥርዓን ይኹን ሕቶ ይበፅሖ እዩ።
   ኮይኑ ግን መንግስቲ ኣብዚ ተግባር እዚ ባዕሉ ብቐዳምነት ክሕምዝቖን ቅጥዑ ዝጠፍኦ ኣሰራርሓታት ክዓስልን ብኡ ልክዕ ድማ ኣብታ ሃገር ሚዛኑ ዝሰሓተ ናይ ሃፍቲ ልዕለ ትሕቲ ክፍጠር ክኢሉ። እዚ ዝወለዶ ድማ ድኻታታት ኣብ ከተማታት ናይ ምንባር ዕድሎም እናፀበበን ኢዶም ጠሚሮም ዝዕዘቡሉ ሃዋህው ዓሲሉ። ናይዚ መርኣያ እቲ ልዕሊ 100 ዝኾኑ ወገናት ኣብ ሓደ መዓልቲ ዝበልዐ ናይ ቆሼ ሓደጋ ምልዓል ይከኣል እዩ። ዋጋ ሃለኽቲ ነገራት ይኹኑ ዕዳጋታት እናንሃረ ነቲ ንድራር ዕለት ትኸውን ዘይብሉ ዜጋ ኣብ ከተማ ናይ ምንባር መማረፂ እናኸበዶ መፂኡ። ሰብ ሃፍቲ ገንዘቦም ኣዋፊሮም ብዘስርሕዎም ኣባይቲ ብኽባር እናካረዩ ነቲ ድኻ የፀግመሉ ኣሎ።
እዚ ሃዋህው እዚ ድማ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ሞንጎ ዜጋታት ዝፍጠር ዘሎ ርሕቐቱ ዝተናውሐ ናይ ሃፍቲ ልዕለ ትሕቲ እናረኣየ መአረምታን ዘላቒ ዝኾነ ፍታሕ ከናዲ ኣይክኣለን። ንሱ ዝወለዶ ድማ ኣዝዮም ብዙሓት ድኻታት ንስደትን ከርተትን ክቃልዑ ይግደዱ ኣለው። ደቂ ድኻታት ዝኾኑ ቆልዑ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ኣቋሪፆም ናብ ዘየድልዩ ተግባራት እናተዋፈሩ ኣብ ጎደናታት ክሳጥሑ ይረአዩ ኣለው።
  ብኡ ልክዕ ድማ ሃገር ተረካቢ ዝኾነ መንእሰይ ወለዶ ብዝግባእ ሃኒፅካን ኮስኪስካን ክዓቢ እናተገቦኦ ተስፉኡ እናፀልመቶ ትምህርቲ ከይቀሰመን ከይተሃነፀን ብገንኡ እናተኾለፈ ራኢ ዘይብሉን ንድራር ዕለቱ ጥራሕ ዘቋምት ወለዶ እናኾነ ንክኸይድ ይግደድ ኣሎ። ምስዚ ተተሓሒዙ ድማ እቲ ዝተምሃረ ዝበሃል ኣካል ‘ውን ደረጃታት ቆፂሩ ዘቋረፀን ዲግሪ ይኹን ብደረጃ ዲፕሎማ ተመሪቑ ስራሕ ስኢኑ ማዕረ ምስቲ ዘይተምሃረ ኣብ ጎድናታት ስራሕ ስኢኑ ቀንፈዘው ክብል ከሎ ክንደየናይ ውሽጣዊ ስምዒቱ እናተተንከፈ ተስፋ ናይ ምቑራፅ ሃዋህው ከም ዝፈጥር ንምግማቱ ዘፀግም ኣይኮነን።
   ስለዚ ኣዲስ ኣበባ ሰብ መዋእለ ንዋይን ሰበ ስልጣን ኢህወደግ ከም ድልየቶም ዝገላበጡላ ከተማ ክትከውንን ነበርታ ዝኾኑ ድኻታት ድማ ኣማዕድዮም ዝሪእዋን ብዝተፈላለዩ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን ሽግራት እናተሃሰዩ ወግሐ ፀብሐ ፍታሕ እናስኣኑ ይርከቡ። ካብዚ ሓሊፉ ድማ ብምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብቲ ናይ ፌደራል ትእዛዝ እናተቐበለ ዘካይዶም ዝተፈላለዩ መደረኻት ብምክያድ ብመስኮት ተሌቪዥን መረረት ህዝቢ ክንዕዘብን ክንሰምዕን ንኽእል ንኸውን።
  እንተኾነ ግን ቤት ፈተነ ግናይ ፖሊሲ ኢህወደግ ካብ ምዃን ሓሊፉ ሽግር ህዝቡ ፈቲሹ ናብ ባይታ ወሪዱ ዘላቒ ዝኾነ ፍታሕ ዝገብር ኣካል ኣይተረኸበን። እዚ ክንብል እንከለና ድማ ብዘይ ሓደ ምኽንያት ኣይኮነን። ካብ ዝሓለፉ ቀረባ ዓመታት ጥራሕ ዝተኻየዱ መድረኻት ክንርኢ ከለና፣ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብቶም ብግዕዝይናን ምጥፍፋእ ሃፍቲ ህዝብን መንግስትን ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ስእነት ፍትሒ ወዘተ... ዝረኣየሉ ምምሕዳር እናተብሃለ ክግለፅን ብኡ ልክዕ ድማ ህዝቢ ኣብቶም ዝተኻየዱ መድረኻት ብግልፂ ፀገሙ ጎልጒሉ ክዛረብን ክነቅፍን ተራእዩ እዩ።
  ንቃንዝኡን ሽግሩን ተረዲኡ ፈውሲ ዝህብ ኣካል ግን ክረክብ ኣይክኣለን። ከይዲ መድረኽ ሰናይ ምምሕዳር ፈሺሉ እንተብቅዕ ድማ ዳግም ሽሙ ዝቐየረ ከይዲ ብዕምቆት ምሕዳስ ብዝብል ፈጠራ ኢህወደግ ክሳብ ሕዚ ውፅኢት ንዘይብሉ መድረኻት ከካይድ ፀኒሑ እዩ። ሕዚ ድማ ዳግም ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንበይና ናይ ሰናይ ምምሕዳር መድረኻት ተካይደሉ ሓዱሽ ረቂቕ ኣዋጅ ወፂኡ ንምስላጥ ኣብ ምሽብሻብ ከም ዘላ ብመስኮት ተሌቪዥን ክገልፁ ተራእዮም።
  ምናልባት ሓደ ግዜ ወይ ክልተ ሻዕ ህዝቢ ኣኪብካ ንዓኻ ዘይረአየካ ሽግራት ናብቲ በዓል ዋና ዝኾነ ህዝቢ መድረኻት ከፊትካ ንዘለካ በሰር ንምግላፍ፣ ዝሓበጠ ቁስልኻ ንምንታዕ ንዘለካ ዕሾኽ፣ ህዝቢ ብወረጥኡ ክነቕሰልካ ዕድል ምሃብ ሰናይ ተግባር እኳ እንተኾነ፣ ድኽመታቱ ንኸይእርም ዝቖረፀን ስልጣን ሓፋሽ ኣዕቢሩ ብሓይሊ ብረት ጠጠው ንዝበለ ጉጅለ ግን ሰናይ ዘይኮነስ ግናይ ተግባር እዩ።
  ብሱሩ’ኸ እቶም ካብ ሕዳር 2008 ዓ/ም ጀሚሩ ክሳብ ሐዚ ዝተኻየዱን ዝካየዱ ዘለውን መድረኻት ሰናይ ምምሕዳር ይኹን ብዕምቆት ምሕዳስ ዝበሃሉ እንታይ ውፅኢት ኣምፂኦም? ኩሉ ክሓቶም ይግባእ? ሕዚ’ኸ ሓዱሽ ረቂቕ ኣዋጅ ዘድልየሉ ምኽንያት ንምንታይ ክበሃሉ ይግባእ? ካብዚ ሓሊፉ ግን ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቤት ፈተነ ግናይ ፖሊስን ምምሕደራን ኢህወደግ ካብ ምዃን ሓሊፋ ንህዝብታት ዝቕይር ወይ  ዘመሓይሽን ፍረ ዝርከቦ ተግባር ካብ ኢህወደግ ኣይንፅበን ክበሃሉ ይግባእ።

No comments:

Post a Comment