Sunday, November 26, 2017

ከተማ ኣላማጣ ናይ መብራህቲ ፀገም ኣጋጢምዋ ከም ዘሎ ነበርታ ገሊፆም።



ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ኣብ እትርከብ ከተማ ኣላማጣ ዝነብሩ ዜጋታት ብሰንኪ ናይ ቆፃሪት ቀረብ ብዘይምህላው ሕፅረት መብራህቲ ኣጋጢምዎም ከምዘሎን ከም ሳዕቤኑ ድማ ኣብ ዕለታዊ መነባብርኦም ይፅገሙ ምህላዎምን ሓቢሮም።
ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ፓሎታት ብዙሕ ዓማውቲ ዘቑፀሩ ብምዃኖም እናወደቑ ጉድኣት የውርዱ ምህላዎም ዝገለፁ እቶም ነበርቲ ነዞም ካብ ጥቕሚ ወፃኢ ኮይኖም ዘለው ፓሎታት ንኽቕየረሎም ጠሪዖም ክሳብ ሕዚ ግቡእ ፍታሕ ከምዘይረኸቡ ኣረዲኦም።
ብተወሳኺ እቶም ግዜኦም ሓሊፍዎም ዝወድቁ ዘለው ፓሎታት ንብረት ህዝቢ ካብ ምዕናው ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሰባት እናወደቑ እውን ህይወት ዜጋታት  ክሓልፍ ይገብሩ ምህላዎም እቶም ነበርቲ ወሲኾም ኣገንዚቦም።

No comments:

Post a Comment