Sunday, November 26, 2017

ነበርቲ ህዝቢ ከተማ ድሬዳዋ ብሕፅረት ትራንስፖርት ይሳቐዩ ምህላዎም ገሊፆም።



ካብታ ከተማ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከምዝረድኦ፤ ነበርቲ ድሬዳዋ ኣብታ ከተማ ዝርከባ ተሽከከርቲ ባጃጃት ግቡእ ኣገልግሎት ክህባ ብዘይምኽኣለን ምኽንያት ንዝተፈላለዩ ምንግልታዓት ተቓሊዕና ክብሉ ገሊፆም።
ኣብ ከተማ ድሬዳዋ ዝርከቡ ወነንቲ ባጃጃት ካብ ኩንትራት ወፃኢ ኣገልግሎት ኣይንህብን ምባሎም ዝገለፁ እቶም ዜጋታት፤ብተወሳኺ ድማ ካብ ታሪፎም ወፃኢ ከምዝፅዕኑን፤ልዕሊ ኣቕሚ ገንዘብ ከምዘኽፍሉን መንግስቲ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ዘይሕጋዊ ኣካይዳ ቁፅፅር ንኽገብረሉ ተደጋጋሚ ሓቲቶም መፍትሒ ከምዘይረኸቡን ኣረዲኦም።
ብሰንኪ ኣብታ ከተማ እኹል ኣገልግሎት መጎዓዝያ ዘይምህላው ድማ ኣብ ስርሖም ብስዓቶም ክወፁን ክኣትውን ከምዘይካኣሉ እቶም ወገናት ወሲኾም ኣረዲኦም።

No comments:

Post a Comment