Saturday, December 23, 2017

ኣብ ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲታት ጥራሕ 32 ኣባላት ብሄረሰብ ኢትዮጵያ ሶማሌን 29 ተወለድቲ ክልል ኦሮሞን ከምዝሞቱ ናይቲ ክልል ሰበስልጣናት ገሊፆም።



ኣብ ክልል ኦሮሚያ፤ዞባ ምዕራብ ሃረርጌ፤መዓልታዊ ሓያል ተቓውሞ ህዝብን ጨፍጫፍን ዝካየድ ዘሎ ኮይኑ፤ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ሃዊ ጉዲን ዳሮለን ኣብ ዝበሃሉ ወረዳታት ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልታት 61 ንፁሃት ዜጋታት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተፈሊጡ።
ብዘይካ እዚ ድማ ልዕሊ 800 ኣባይቲ ተቓፂሉ ምህላው ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ብተወሳኺ ልዕሊ 14 ሽሕ ወገናት ካብ መረበቶም ከምዝተፈናቐሉ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮሚያ እቲ ግጭት ክውላዕ ዝኸኣለ ፖሊስ ክልል ኢትዮጵያ ሶማሌ ናብ መሬት ኦሮሞ ጥሒሱ ምስኣተወ ዝተፈጥረ እዩ ክብል ከሎ  ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ድማ ነቲ ፍፃሜ ጅምላዊ ጨፍጫፍ እዩ ኢሉዎ ኣሎ።

No comments:

Post a Comment