Saturday, December 23, 2017

ኣብ ምብራቕ ሽዋ ወረዳ ቦስት፤ሓያል ወጥሪ ነጊሱ ከምዘሎ ተፈሊጡ።



ኣብ ምብራቕ ሽዋ፤ወረዳ ቦስት፤ኣብ እትርከብ ከተማ ወለንጪቲን ከባቢኡን ብነበርቲ ናይቲ ከባብን ተምሃሮን ተቓውሞ ከምዘስሙዑን ሓያል ወጥሪ ድማ ነጊሱ ምሃውን ተገሊፁ።
ኣብ ከተማ ወለንጪቲን ከባቢኡን ዝርከቡ ነበርቲ፣ ኣብቲ ከባቢ ንዝርከቡ ኣባላትን ደገፍቲን ስርዓት ኢህወደግ መጠንቀቕታ ድሕሪ ምሃቦም ስዒቡ፣ ንብረቶም እናሸጡ ነቲ ከባቢ እናለቐቑ ምውፃእ ጀሚሮም ምህላዎም ተገሊፁ።
ብተመሳሳሊ ተምሃሮ ሓፈሻዊ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ወንጂ ንዝኾኑ ነቲ ተቓውሞ ኣተሓባቢሮም ብዝብል ምኽንያት ብጃምላ ከምዝተኣሰሩን ወለዲ ተምሃሮ ድማ ደቆም ኣበይ ከምዝተኣሰሩ ከምዘይፈለጡን ሓቢሮም።
ብተወሳኺ ካብ ዕለት 6 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዩኒቨርስቲ ዳማዩ ንግዕዙይ ምሕደራ ስርዓት ኢህወዴግ ዝኹንን ተቓውሞ ከምዝተኻየደ ዝገለፀ እቲ ሓበሬታ፤ ነቲ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ተምሃሮ ተቓውሞ ንምብታን ልዑል ቁፅሪ ዘለዎ ሰራዊት ምክልኻል ኣብ ቀፅሪ እቲ ዩኒቨርስቲ ከምዝኸበበን ተኹሲ ድማ ክስማዕ ከምዝወዓለን ተፈሊጡ።
ብተመሳሳሊ ዜና ኣብ ምብራቕ ሃረርጌ፤ወረዳ ኮምቦልቻ ዝርከቡ ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኮምቦልቻን ከምኡ እውን ተምሃሮ ኮሌጅ ቴክኒክን ሞያን ኮምቦልቻን ብሓባር ኣብ ከተማ ጨለንቆ ንዝተኻየደ ጨፍጫፍ ብምቅዋም ትምህርቲ ኣይንምሃርን ብምባል ተቓውሞኦም ከምዘስምዑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
      

No comments:

Post a Comment