Monday, December 11, 2017

ብሰንኪ ምችው ዝኾነ መምሃሪ ክፍልታት ዘይምህላው ትምህርትና ብግቡእ ክንከታተል ኣይከኣልናን ክብሉ ኣብ ከተማ ዳንሻ ዝርከቡ ተምሃሮ ገሊፆም።



ኣብ ዞባ ምዕራብ ትግራይ፤ወረዳ ፀገዴ፤ከተማ ዳንሻ ዝርከቡ ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፃድቕ ኣብርሃ እንመሃረሉ መምሃሪ ክፍልታት ብቖርቆሮ ዝተሰርሐ ብምዃኑ ብሓያል ሙቐት እናተጠጠቕና ብመምህራን ዝውሃበና ትምህርቲ ብግቡእ ክንከታተል ኣይከኣልናን ክብሉ ኣረዲኦም።
ከተማ ዳንሻ ሓያል ሙቐት ዘለዎ ምስ ምዃኑ ተተሓሒዙ ኣብ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ሓያል ፀቕቲ ይፈጥረሎም ከምዘሎ ዝገለፁ ተምሃሮ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፃድቅ ኣብርሃ፤ብተወሳኺ ድማ ደረጃኡ ዝሓለወ ክፍልታት ክስርሐሎምን ኣብ ርእሲኡ እውን መከላኸሊ ሙቐት ቨንቲሌተር ኣብ ውሽጢ ክፍሎም ክግበረሎም ተደጋጋሚ ጠሪዖም ፍታሕ ከምዘይረኸቡ ሓቢሮም።
እዚ ከምዚ ዓይነት ፀገም ኣብታ ቤት ትምህርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ መላእ እታ ወረዳ ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ትምህርቲ እውን ከምዘሎ ዝተሓበረ ኮይኑ፤ከምኡ 'ውን ኣብ ካልኣይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ፃድቅ ኣብርሃ ናይ መምህራን ስታፍ፤ቤተንባብን ንብረት ክፍልን ከምዘየለን ከምሳቤኑ ድማ ኣብ ስራሖም ፅልዋ ይፈጥረሎም ከምዘሎ ናይታ ቤት ትምህርቲ መምህራን ይዛረቡ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ ኣብታ ወረዳ ንከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ዝውሃብ ትኹረት ከምዘየለን እዘን ኣብታ ወረዳ ዝርከባ መብዛሕተአን ብቖርቆሮ ዝተሰርሓ ኣብያተ ትምህርቲ 'ውን እንተኾነ ህዝቢ ባዕሉ ገንዘቡ ኣዋፂኡ ዝሰረሐን ምዃነን ድማ መረዳእታታት የመላኽቱ።

No comments:

Post a Comment