Monday, December 11, 2017

ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ እንሳር ዝርከቡ ነበርቲ ከቢድ ናይ ማይ ፀገም ኣጋጢምዎም ከምዘሎ ተፈሊጡ።



ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዝመላኽቶ፤ኣብ ክልል ኣምሓራ ወረዳ እንሳር ዝርከቡ ልዕሊ 28 ሽሕ ዝኾኑ ዜጋታት ብሕፅረት ፅሩይ ዝስተ ማይ ይሳቃዩ ምህላዎም ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ብሰንኪ ኣብ ቀረባኦም ቀረብ ፅሩይ ዝስተ ማይ ዘይምህላው ህፃናትን ሽማግለታትን ከይቀረዩ ርሑቕ ከባቢታት እናተጉዓዙ ንዝተፈላለዩ ምንግልታዕን ድኻምን ይቃልዑ ከምዘለው ገሊፆም።
ብተወሳኺ ኣብ ከባቢኦም ፅሩይ ዝስተ ማይ ካብ ዘይምህላው ዝሰገረ እቲ ካብ ርሑቕ ከባቢታት ቀዲሖም ዘምፅእዎ ማይ እውን እንተኾነ ፅሬቱ ዘይሓለወን ካብ ዕቋራት ዝቕዳሕን ብምዃኑ ከም ብልሃርዝያን ኣሜባን ዝኣመሳሰሉ ማይ ወለድ ሕማማት ይሳቐዩ ምህላዎም እቶም ወገናት ሓቢሮም።
ደቅና ብመምህራኖም ገፅኩምን ክዳውንትኹምን ብምሕፃብ ፅሬትኩም ሓልው እኳ ዝበሃሉ እንተኾኑ ብሰንኪ ኣጋጢምና ዘሎ ናይ ማይ ፀገም ግን ፅሬቶም ክሕልው ኣይከኣሉን ዝበሉ ወለዲ ተምሃሮ ብወገኖም፤ካብኡ ሓሊፉ እውን ማይ ንምድላይ ርሑቕ ቦታትት ክጉዓዙ ክብሉ ትምህርቶም ይሰናኸሉ ኣለው ክብሉ ኣረዲኦም።
ኣስዒቦም ድማ እቶም ዜጋታት ስርዓት ኢህወደግ ብኸምዚ ዓይነት ከቢድ ፀገም ንሳቐ ምህላውና እናፈለጠ ከምዘይፈለጠ ስቕታ ምምራፁ መንግስቲ ኣለና ኢልና ንምዝራብ ኣየድፍርን ክብሉ ምሬቶም ገሊፆም።




No comments:

Post a Comment