Saturday, December 23, 2017

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ኣብ እትርከብ ከተማ ደምቢዶሎ ሓያል ተቓውሞ ህዝቢ ከምዝተኻየደ ተሓቢሩ።



ካብቲ ከባቢ ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመላኽቶ፤ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከተማ ደምቢደሎ ስርዓት ኢህወደግ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ዝፍፅሞ ዘሎ ጅምላዊ ህልቂት ዝኹንን ሰልፊ ከካይድ ከምዝወዓለ ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ሓቢሮም።
ብዕለት 10 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ  ኣብ ከተማ ጨለንቆን ካልኦት ከባቢታት ኦሮሞን ንዝተቐትሉ ንፁሃት ዜጋታት ብፆሎት ዘኪሮምውም ከምዝወዓሉን፤ብተመሳሳሊ ኣብ ምዕራብ ሃረርጌ፤ኦሮሞን ኢትዮጵያ ሶማሌን ንዝተቐትሉ ወገናት እውን ዘኪሮምዎም ከምዝወዓሉ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ዝተኻየደ ተቓውሞ ህዝቢ ብርክት ዝበሉ ተምሃሮ ወሲኽካ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ  ከምዝተሳተፍዎ ዝተጠቕሰ ኮይኑ፤ከምኡ እውን መግዛእቲ ስርዓት ኢህወደግ ናብ ሓደጋ ኣቃሊዑና ኣሎ!ብህፁፅ ካብ ስልጣኑ ይውረድ ዝብሉን ካልኦትን ጭርሖታት ከስምዑ ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።
ካብዚ ብተወሳኺ ድማ ኣብ ከተማ ጨለንቆ፤ኣምቦን ካልኦት ከባቢታት ኦሮሞን ንፁሃት ዜጋታት ንዝቐተሉ ሓይልታት ፀፅታን ትእዛዝ ንዘውረዱ ኣካላት መንግስትን ተሓተቲ ክኾኑ ይግባእ ክብሉ ነበርቲ ከተማ ደምቢደሎ ኣብቲ ዘካየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ፃውዒቶም ከምዘቕረቡ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።





No comments:

Post a Comment