Saturday, December 23, 2017

መንበሪ ኣባይቲ ኣቦ ወንበር ሃርበኛ ጉንበት ሸውዓተ ዝኾኑ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋን ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌን ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ተሸይጡ ንመንግስቲ ኣታዊ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።



ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ከምዘረድኦ፤ናይ ኣቦ ወንበር ሃርበኛታት ጉንበት ሸውዓተ ዝኾኑ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋን ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌን መንበሪ ኣባይቲ ብትእዛዝ ቤት ፍርዲ ስርዓት ወያነ ተሸይጡ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ክኾን ከምዝተገብረ ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣፍሊጡ።
ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ስርዓት ኢህወደግ ፈፂመዮ ኣለኹ ኢሉ ይፋ ኣብ ዝገበሮ ናይ ሓራጅ መሸጣ፤ኣብ ጅማሮ ዘሎ መንበሪ ገዛ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ብ 6,380,000 ብር ተሸይጡ ነቲ ስርዓት ኣታዊ ከምዝኾነ ዝገለፀ ኮይኑ፤ ፤ብተወሳኺ ድማ ናይ ኣቶ ኣንዳርጋቸው ፅጌ ዝኾነ መንበር ኣባይቲ እውን ብሓደ ሚልዮን ብር ተሸይጡ ናብ መንግስቲ ኣታዊ ኮይኑ ምህላው ንምፍላጥ ተኻኢሉ።

No comments:

Post a Comment