Saturday, December 23, 2017

ኣብ ከተማ መቱ ተቓውሞ ህዝቢ እንደገና ከም ዝተኻየደ ይግለፅ ኣሎ።



ኣብ ዝሓለፈ እዋን ብተምሃሮ ዩንቨርስቲ ዝተጀመረ ተቓውሞ ብዕለት 10 ታሕሳስ 2010 ዓ.ም እውን ኣብታ ከተማ ዝርከቡ ናይ ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲ ተምሃሮ ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ከምዝካየዱ ተሓቢሩ።
እቶም ተምሃሮ ናብ ጎደናታት ብምውፃእ ጨቛኒ ስርዓት ኢህወደግ ኣብ መላእ እታ ሃገር ዝፍፅሞ ዘሎ ጨፍጫፍ ደው ይበል ዝብልን ናይ ስቕታን ካልኦትን ብምግባር ተቓውሞ ከምዘስምዑ ንምፍላጥ ተኻኢሉ።
ነቶም ተቓውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ ናይ ካልኣይ ብርኪ ተምሃሮ ንምሕጋዝ ናይታ ከተማ ነበርቲ ከምዝተፀምበርዎም ዝገለፁ ነበርቲ ከተማ መቱ፤ብተወሳኺ ተምሃሮ ዩኒቨርስቲ መቱ ናብቲ ዝካየድ ዝነበረ ተቓውሞ ህዝቢ ንኸይሕወሱ ኣብቲ ቀፅሪ ከቢብዎም ዘሎ ሰራዊት ስርዓት ኢህወደግ ከም ዝኸልከሎም እቶም ነበርቲ ኣረዲኦም።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ተወለድቲ ኦሮሞ ዝኾኑ ፖላዊስ ኣብ ጎኒ እቶም ሰልፈኛታት ኮይኖም ኣንፃር እቲ ስርዓት ተቓውሞ ከስምዑ ከምዝወዓሉን ድሕነት ናይቶም ተምሃሮ ድማ ክሕሎ ከምዝገበሩን ተፈሊጡ።


No comments:

Post a Comment