Wednesday, January 24, 2018

ኣብ ሓደ ፍፃመ ክልተ ውሳነ



     ኣብዚ ሕዚ እዋን ህዝብታት ሃገርና ካብ ዝገደደ ናብ ዝበኣሰ ፖሎቲካዊ ፣ ማሕበራዊ ፣ ቁጠባን ስነ-ልቦናውን ጉድኣታት እናበፅሖም ይርከቡ ጥራሕ ዘይኮነስ ብስግኣትን ወጥርን ተቐርቂሮም ኣሎው።  
    እዚ ድማ ነታ ሃገር ወኪሉ ህዝቢ ይመርሕ ኣለኹ እናበለ፣ ሃገር ኣብ ባይታ ዘየለ ዕብየት እናመዝገበ፤ነቲ ባዕሉ ንዝዘረጎ ውሽጣዊ ሓድነት ህዝብታት ድማ ውሑስን ኣንፀባረቒ ሰላምን ዓሲሉ፤ንግፍዓዊ ተግባራቱ ዴሞክራስያዊ ምሕደራ ሰፊሑ፤ነቲ ዓፈና ሚድያ ፤ነፃነት ፕረስን ሚድያን ተረጋጊፁ፤ንጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ልዕልነት ሕግን ተሓታትነትን ዓሲሉ፤ ንሕቶታት ልምዓትን ተጠቃምነትን ህዝቢ ሰፊሕ ዝርገሐ መሰረተ ልምዓት ብምስላጥ ረብሓታት ህዝቢ ተረጋጊፁ ወዘተ...ብዝብሉ ዝተሰናቦቶም 26 ዓመታት ጉዑዞ ምድንጋር ፣ሎሚ ኩሉ ምኽንያታቱ ፈሺሉ ባዕሉ እቲ ጉጅለ ብዝመፅኦ መንገዲ ክቕፅል ኣብ ዘይኽእለሉ ደረጃ ምብፅሑ ጥራሕ ዘይኮነስ ኩሉ ስራሕቲ ተኣጓጒሉ ኣብ ቀልቀል ገደል ኮይኑ ዕድል ሃቡኒ ክብል ይውዕል ኣሎ።
   እንተኾነ ግን ሑሉፋት ተግባራት ኢህወዴግ፣ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ሕድሕድ ዜጋ ዘይረአ ዕብየት እናመዝገበት ሚልዮናት ኣብ ከርፋሕ መነባብሮ ተዶቚሶም ዝነብሩላ፣ንውሑዳት ድማ ምድረ ገነቶም ክትከውን ዘኽኣለ ግዕዙይን ጨፍላቕን ስርዓት ምዃኑ ኩሉ ስለ ዝነቐሐሉ ሕዚ ብዝገብሮምን ዝህቦምን ዘሎ መግለፅታቱ ዝታለል የለን።
   ምኽንያቱ እቲ ናይ ክሕደትን ዓፈናን፣ መርገፅትን ግዕዚናን ዓመታት ብምልኦም ህዝብታት ሃገርና ብዝተፈላለየ መንገድን ኣጋጣምታት ተጠቒሞም ብዘየላጢ መንገዲ ነቲ ናይ ሓሶት ዕብየት ኣብ ባይታ የለን፤ነቲ ልዕልነት ሕግን ተሓታትነትን ተረጋጊፁ ትብሉዎ፣ ህዝቢ ይእሰር፤ ይንከላበት፤ይቕተል ሃለዋቱ ይጠፍእ ኣሎ፤ፍትሒ የለን ልምዓትን ሰናይ ምምሕድራን ኣይተረጋገፀን እናበሎም መፂኡን ኣሎን።
   እንተኾነ ግን ነዞም ናይ ህዝብታት ሓቃዊ ምስሊ ሃገርን ኣካይዳ እቲ ስርዓትን ኣብ ክንዲ ብዝግባእ ተቐቢሉ ዘላቒ መፍትሒ ዘንብረሉ ብፀላእነት እናረአየ ምሕደርኡ ካብ ግዜ ናብ ግዜ ክፅብቦን ኩሎም መልክዓት ፀረ ህዝቢ ተግባራት ክፍፅም ፀኒሑ ኣሎን።
   ቡኡ ልክዕ ድማ ህዝብታት ሃገርና እውን ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝበፅሕ ሕሰምን መርገፅትን ኢህወዴግ ኣንፃሩ ብምልዓል ክብህርር እናገበርዎ እኳ እንተመፁ ብሰንኪ ውሁድ ሓይልን ቅኒትን  ዘይምህላዉ ኣብ ሞንጎ እቲ ዝለዓል ናይ ህዝብታት ተቓውሞ ንግዚኡ ብሓይሊ ክብትኖን ኢሉ እውን ካብ ሐደ መድረኽ ናብ ካልእ ተመሳሳሊ መድረኽ ከንጥሮ ዝኽእል መፅበዓን ተስፋታትን እናኣተወ ብዘየቛርፅ በደላት ክፍፅም ክኢሉ እዩ።
   ኣብዚ ሕዚ እዋን ድማ ስሩዕ መንግስታዊ ስርሑ ገዲፉ ባዕሉ ንባዕሉ ክበላላዕ ኣብ ዝበፅሐሉ ግዜ ነቶም ክኸዶም ዝፀንሐ መዕነውቲ ተግባራቱ ብምእማንን ፤ነቶም ብዘይ ገለ ገበን መሰሎም ብምሕታቶም ናይ ፀለመ ክስታት ተመስሪቱዎም ካብ ጎደናታት እናተኣረዩ ናብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዝዳጎኖም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝግመቱ ወገናት ንውሱናት ክፈትሕን ብምሕረት ክለቅቕን ኢሉ'ውን ናይ ደርጊ ዝነበር መሕረዲ ሰብ ህንፃ ሎሚ ዓፅየ ሙዙየም ክገብሮ እየ ብዝብል ምድንጋርን ሃጠው ቀጦው ክብል ተገዲዱ 'ሎ።
   ካብዚ ፍልይ ዝበለ ድማ እቲ ክንከዶ ዝፀናሕና ናይ ሓሶትን ምድንጋርን ጉዑዞ ወፂእና ልዕልነት ሕግን ተሓታትነትን ክነረጋግፅ ኢና ኣብ ዝብሉሉ ዘሎው እዋን እቲ ኣብ ክልል ኦሮምያ ዝተፈፀመ ዘስካሕክሕ ፍፃመ ጃምላዊ ህልቂት ተፈፂሙ ብምባል ናይቲ ጉጅለ ጠቕላይ ሚኒስተር መግለፂ ሓዘን ሂቡ ነይሩ።
   ካብ ሰሙን ዘይበልፅ ግዜ ፀኒሑ ድማ ናይቲ ስርዓት ጠቕላሊ ዓቃቢ ሕጊ ፌደረል ካብ ዝሃቦ መግለፂ ንዑዑ ዘፃሪ ጉጅለ ተዋፊሩ 'ሎ ብወገናይ ጃምላዊ ህልቂት ክብሎ ኣይደፍርን ክብል ተራእዩ።እሞ እዝስ ኣብ ሓደ ፍፃመ ክልተ ውሳነ እናሃብካ ከመይ ዝበለ ፍፃመ ድኣ 'ዩ ሽግር ዘወግድ ሓላፍነትን ተኽእሎን ዘሎዎም? ንምጥቕላል እዚ ጉጅለ እዚ ህዝብን ሃገርን ከመሓድር ዝኽእል ቁሞና ስኢኑ ኣብ ዘለሉ እዋን፣ነቶም በብእዋኑ ክሽፍኖም ዝፀንሐ እከይ ተግባራቱን ፀረ ህዝቢ ምሕደርኡን ኣብ ሓደ ፍፃመ ክልተ ነንባዕሉ ዝፃብእ ውሳነ ዝታለል ወገን ከም ዘየለ እናፈለጡ ፣ኣብ ውዱእ ስዓት ፣ግዜኹም ኣይተባኽኑ ተባሂሎም ክእለዩ/ክውገዱ ይግባእ።

No comments:

Post a Comment