Saturday, January 13, 2018

ብስም ህዝቢ ምሒልካ ፣ ተግባራት ፀረ ህዝቢ ደው ይበል፣




ሃገርና ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ኣረሜናዊ ምምሕዳር ኢህወዴግ ካብ ትወድቕ ኣስታት 27 ዓመታት ኣቑፂራ ትርከብ።ህዝባውነት ዘይብሉ ብስም ህዝቢ እናመሓለ ቆርበት በጊዕ ተኸዲኑ ናይ ቶኹላ ተግባር እናካየደ፣ ንባዕሉ ብምውዳስ ዘይጭበጡ ተስፋታት እናሃበ፣ እናደናገረ ዝፍፅሞም ኢዴሞክራስያዊ ተግባራት ተኸቲሉ፣ ንዝለዓሉ ተቓውሞታት ንምፍሻል ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ናይ ሓይሊ መጥቃዕቲ እናውረደ መፂኡ።ሕዚ 'ውን እናካየደ ይርከብ።
ብኻልእ ወገን ድማ ብስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዓፈናን መርገፅትን ዝሰከሐ መንእሰይ ብቖራፅነት ግንባሩ ንዓረር ጥይት ብምሃብ ዝተልዓለ ማዕበል ንምዝሓል ክመፃደቕን፣እቲ ሽግር ናይ ባዕልትና ኣመራርሓ  እዩ፣ህዝብን ሃገርን ንሓደጋ ኣቃሊዕናዮም በዚ ድማ ይቕረታ ንሓትት። ናይ ህዝቢ ሕቶ ንምምላስን ዴሞክራሲ ንምዕማቕን ድማ ቆሪፅና ተላዒልና ብዝብል ዝተለመደ ናይ ምሕፅንታ ቃላት ብምድርዳር ናይ ለውጢ ሓይሊ መሲሉ ንምርካብ እናፀዓረ ይርከብ።
ይኹን'በር እዞም ብስርዓት ወያነ ኢህወዴግ ዝወሃቡ ዘሎው ተስፋ ኣልቦ መደረታት ቅድሚ ሕዚ'ውን  በቲ ስርዓት ክዝመሩ ዝፀንሑ መደናገርቲ 'በር ማሕበራዊ፤ኢኮኖምያውን ፖሎቲካውን ነውፅታት ክፈትሕ ዝኽእል ፖሊስን ስትራቴጅን ኣይነደፈን።ኣብዚ ሓዚ እዋን ወያነ ኢህወዴግን ኣባል ውድባቱን እናካየደኦ ዝርከብ ኣኼባታት ዘርኡዩና ኣብ ሞንጎ እተን ውድባት ዝተፈጠረ ናይ ስልጣን ቅድድምን ሓደ ኣብ ልዕሊ እቲ ካልእ ብዘርእዮ ልዕልነት ንዑዑ ምቕባልን ዘይምቕባልን ዝኣተውዎ ንሕንሕ 'በር ናይታ ሃገር እዋናዊ ኩነታት ዘገናዘበን ናይ መፍትሒ ኣንፈት ዝሕብር ከም ዘይኮነ ካብቲ መግለፂኦም ይኹን ካብቶም መራሕቲ ናይተን ውድባት ልሳን ምርዳእ ይከኣል።
ስርዓት ኢህወዴግ ሕዚ ዘሎዎ ኣቋውማ ስርዓት ከም ስርዓት ዝቕፅለሉ ይኹን ሃገር ከም ሃገር ንምምራሕ ዘኽእሎ ኣቋውማ ሃሊዎ ዘይኮነስ ነንባዕሉ ብስእነት  ውሽጠ ዴሞክራሲ እናተሓመሰ፤ኣብ ዓዘቕቲ ግዕዚናን ብልሽውናን  ተውሒጡ  ከም ዝርከብ ካብቶም ዝሓለፉ እዋናት ብዝኸፈአ መልክዑ ዝባኑ ዝተቐለዐ ሓደጋ ተኸቢቡ ይርከብ።እቲ ባዕልቶም ንዘፅደቑዎ ሕገ-መንግስትን ዝቐረፅዎ ፖሊስን ክስጉሙዎ ኣብ ዘይኽእሉሉ፤ናይ ክልል መንግስታት ብናይ ፌድራል መንግስቲ ንዘይምግዛእ ተፋጢጦም ኣብ ዘለውሉ ብሓፈሻ ኣመራርሓ ናይቲ ስርዓት ሕጊ ጥሒሶም እናተጉዓዙ ህዝብን ሃገርን ናብ ሓደጋ ኣሳጢሖሞ ኣሎው።
ዋላ 'ኳ ኣመራርሓ ኢህወዴግ ካብ ስሕተትና ተማሂርና ኢና፤ናይቲ ሽግር ፈጠርቲ ንሕና ኢና እንተበሉ፣ነቲ ፀገም ዝፈጠረን ህዝብን ሃገርን ናብ ናይ ምፍራስ ሓደጋ ዘቃለዐ ኣካል ተፃርዩ ተሓታቲ ክኸውን ግን ኣይተርአየን።እዚ ድማ ኣብ ውሽጢ እቲ ስርዓት ናይ ስርዓት ተሓታትነት ዘረጋግፅ ዴሞክራስያዊ ኣሰራርሓ ዘይምንባሩን ልዕልነት ሕጊ ዘይምኽባርን ዘርኢ እኹል ምስክር እዩ።
እቲ ስርዓት ብልዕልነት ሕጊ ዝምራሕ እንተዝኸውን ነይሩ ድማ ነዞም ሽግራት ጠንቆም ተፃርዩ ብሕጋዊ ኣሰራርሓ ነቲ ገበን ዝሰርሐ በዓል ስልጥን ሕጋዊ ስጉምቲ ክውሰዶ ምኽኣለ ነይሩ። እዚ ክትግበር ግን ኣይረአን።ምኽንያቱ ድማ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ዘሎ ናይቲ ጉጅለ ኣሰራርሓ ብናይ ሕጊ ኣልቦ ተግባራት ተኣዚኾም ብምፅንሖም ነቲ ጉዳይ ሸፋፊኖም ብምንጣር ሕዚ'ውን ህዝቢ ንምብዳል ሓደ ዕድል ሃበኒ ብምባል ናይ ሙሱሉዩነት መደረ ኣስሚዖም ሓሊፎሞ።
ይኹን'በር ህዝቢ እናበደሉ ብስም ህዝቢ እናመሓሉ ይቅርታ ምሕታት ኣብ ልዕሊ ህዝብታት ኢትዮጵያ ዘሎዎም ንዕቐት ዘርኢ 'በር ንምግልጋል ህዝቢ ቆሪፆም ከም ዝተልዓሉ ኣየመላኽትን።ብሓፈሻ ስርዓት ኢህወዴግ ካብ ጉድለቱ ዝመሃር እንተዝኸውን ነይሩ ኣብ ዝተጉዓዞም 27 ዓመታት ውሽጢ ድኽመታቱ ኣሪሙ ናብ ዝሐሸ ሃገራውን ዴሞክራስያውን ኣሰራርሓ ክሻገር ምኽኣለ ነይሩ።እንተኾነ ግን ድልየትን ዕላማን ናይቲ ስርዓት ሓደን ሓደን ጥራሕ እዩ።
እዚ ድማ ንህዝቢ ብዝተፈላለዩ ስልትታት እናደናገረ፤እናጋጨወ ሓድነት ህዝብታት እናዘረገ ዕድመ ስልጣኑ ብምቕፃል ሃፍቲ ህዝብን ሃገርን ብምምሓው ውልቃዊ ጅብኡ ዝመልአሉ ካብ ምዃን ሓሊፉ ጉዳይ ህዝቢ ንኣምባገነን ኢህወዴግ ዛዕብኡ ኣይኮነን።እዚ፣ ሕዚ ዝተፈጠረ ዘይኮነስ ካብ መጀመርትኡ ኣትሒዙ ዝመፆ መንገዲ ኣነ እንተሞይተ ዳንዴር ኣይትብቆላ ከም ዝበሃል እዩ ተኸቲሉ።ስለዚ ኣብ ሃገርና ዝተግበር ዘሎ ሰብኣውነት ዘይብሉ ምሕደራ ስርዓት ኢህወዴግ ንረብሓ ህዝብን ንሓድነት ሃገርን ዝቖመ ዘይኮነስ ብስም ህዝቢ እናመሓለ ተግባራት ፀረ ህዝቢ ዝፍፅም ስርዓት ብምዃኑ ብቕልጡ ካብዚ ተግባር 'ዚ ክእገድ ኣለዎ ጥራሕ ዘይኮነስ ብህፁፅ ካብ ዘሎዎ ስልጣን ክድርበ ይግባእ።

No comments:

Post a Comment