Monday, February 19, 2018

ብወፅዓ ዝሓንገደ ህዝቢ ብፅገና ረገፅቲ ኣይግዛእን



     እቲ ሕድሪ ሰማእታቱን ኣላዪ ዘይብሎም ስድራ ስውኣትን ኣካሎም ዝሰኣኑ ተጋደልቲ ብፆትን ብሓፈሻ ድማ ብሚልዮናት ዝግመት ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ብዝኾነ ናብራ ዝመርሕ ህዝቡ ጠሊሙ ውልቃዊ ሂወቱን ዕድመ ስልጣኑን ዘደልድለሉ ባይታ እናፀረገ ዝመፀ ጉጅለ ህወሓትን ካድረታቱን ዓመት መፀ ብቓልሲ ህዝብታት ክላገፅ ይረአ 'ሎ።
     እቶም ዓመት ዓመት ከም መጋበርያ ፕሮፖጋንዳዊ ሃልክታት ዝዋስአሎም መድረኻት ንገሊኦም ንምጥቃስ ዝኣክል እቲ ሓደ ብስውኣትን ስድራ ስውኣትን እናመሓለ ዝዝክረሉ መዓልቲ ሰማእታት እንትኸውን እቲ ካልኣይ ድማ ነቲ ብለካቲት 11 ተለኪሱ ፍረ-ዓወቱ ንውሑዳት ከገልግል ዝተገበረ ልደት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ዝምልከት እዩ።
    ርግፅ እዩ 11 ለካቲት ቃልሲ ህዝቢ ትግራይ ውሑዳት ፈሊሞም ኣሽሓት ክስዕቡዎም ክዓስሉዎን ካብዚ ሓሊፉ 'ውን ካብ ዝነኣሰት ንብረቱን ክሳብ እታ ዝዓበየት ሂወቱ ኩሉ ህዝቢ ኣለኹ ባዕለይ እናበለ ዘይትካእ ግደ ተፃዊቱን ኣበርኪቱን እዩ።
    ኮይኑ ግን እዚ ኩሉ ተደራራቢ ግፍዕን መስገደልን እናበፅሖ ብዓውት ቃልሱ ከሕልፎ ከሎ ነቲ ንዘመናት ዝሓረሞ ርጉዕ ሰላም እንደገና ክስእኖ፤ ዓስቢ ቃልሱን መስዋእቱን ንመጋበርያ ውሑዳት ተበለፅቲ ክውዕል፤ሰብኣውን ዴሞክራስያውን መሰሉ ክዕፈን ፤ረብሕኡን ተጠቃምነቱን ክሓርሞ፤ብሓፈሻ እቲ ብዘይትካእ ሂወቱን ሂወት ደቁን ገቢሩ ዝተኸሎ ስርዓት ተመሊሱ ክረግፆን ኣብ ዝባኑ ክዕንድርን ትፅቢቱ ኣይነበረን።
   ብተመሳሳሊ እውን ኣብ ዝኾነ ይኹን ክፋል ናይ ሃገሩ ተንቀሳቒሱ ክሰርሕን ተኸኣኢሉ ክነብርን ክሰፍርን እምበር ከምዚ ናይ ሎሚ ሃገሩ መውቂዒቱን መስጎጒቱን ክትኸውን እያ ዝብል ስግኣት ይኹን ጥርጣረ ኣይነበሮን።
    እንተኾነ ግን ቃልሲ ህዝብታት ጨውዩ ናብ ውልቀ ምልክነትን እከይ ተግባራትን ዝተዋፈረ ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግ ብሓፈሻ ብዝተፈለየ ድማ ኣመራርሓ ህወሓት ክኽተሎ ዝመፀ ናይ ዕንወት መንገድታት ብሓደጋ ተኸቢቡ።
     ህወሓት ነቲ ብንብረቱን ብሂዎቱን ሓፀልፀል ኢሉ ናብ ወንበር ዘቆናጠጦ ህዝቡ ጠሊሙ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ ፀቢብ ዓንኬል ክሕፀርን ብናቱ ስብከትን ኣምልኾን ተገዲቡ ንኽጎዓዝ ዘኽእል መንገድታት እናተኸተለ ብምምፅኡ ናብቲ መዓልታዊ እንሪኦን እንሰምዖን ዘለና ሓደጋ ፈሪዱዎ።
    እዚ ተፈጢሩ ዘሎ ሓደጋ ናይ ሓደ እዋን ተርእዮ ዘይኮነስ መሪሕነት ህወሓት በብእዋኑ ክኽተሎም ዝመፀ ኣዕነውቲ ተግባራት ንምእራም ካብ ህዝቢ ዝቐርበሉ ማዕዳን ነቐፌታን ፀማም እዚ ብምሃብ ናብ ስርቅን ውልቀ ምልክነተን እናተዋፈረ ፣ነቲ ሽግር ካብ እዋን ናብ እዋን ክጋደድ እናገበረ መፂኡ 'ዩ ጥራሕ ዘይኮነስ ፣እቲ ጉጅለ ነንባዕሉ መሓውራት እናፈጠረ ዓዲ ናብ ጎደና ድሕረትን ድኽነትን ሓደጋ ምብትታን ከም ዘቃለዐ ባዕሉ 'ውን ኣብ ዝህቦም ዘሎ መግለፅታቱን ገምጋማትን ምስማዕን ምርኣይን ይከኣል 'ዩ።
     እዚ ጉጅለ እዚ ኣብዚ ተኸሲቱ ዘሎ ሃገራዊ ነውፅን ዘይምርግጋዕን ፣ነንባዕሉ ከም ዓሳ ክባላላዕ ኣብ ዝበፅሐሉ ድማ እቲ ቅድሚ 2 ዓመታት ብመናሓንሕቱ ተመንጢሉ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተዋፍሩ ዝፀንሐ ጉጅለ ከዕውቶ ዝኽእል ምህዞታትን ኔት ወርክን ከጠናኽር ድሕሪ ምፅንሑ ኣብ ልዕሊ መናሓንሑ ዓወት ብምምዝጋብ ሽመት ውሱናት ሓለፍቲ ቢሮን ካድረታትን ከውርድን ከጠንቅቕን ብምግባር፣ ዝተወሰነ ፅገናዊ ለውጢ ገይሩ ናብቲ ዝለመዶ መንገዲ ክሕደትን ዕንወትን እናውረደ ክመርሕ ዝተፈላለየ ንሰሃን ጣዕሳን የሰምዕ 'ሎ።
    "ዝብእስ ክሳብ ዝነክስ ይሕንክስ "ከም ዝተብሃለ ነቲ ንኣስታት ርብዒ ዘመናት ክኽሕዶ ዝመፀ ኣዕነውቲ ተግባራት ኣብ ሎሚ በፂሑ ተግባራውነት ብዘይብሎም ናይ ቁፅሪ ጌጋታትን ኣብ ህዝቢ ዝበፅሑ በሰላታት ብጣስ ወረቐት  ገይሩ መግለፅታትን ለቦዋን ብሚድያ ብምቅልዑ ዘምፅኦ ተኣምር የለን።ብስሩ እውን ናይ ስርዓት ለውጢ ንምምፃእ ዝተልዓለ ቃልሲ መላእ ህዝብታት ሃገርና  ብፅገና ረገፅትን ከሓድትን ዝፍወስ ሽግር ስለ ዘየለ፤ሎሚ እምቢታ ህዝቢ ኣብ ዝበረኸን ዝተጎሃሃረን ደረጃ በፂሑ ብምህላው ህውሓት ንበይኑ ዝፈትሖ ሽግር  ህዝቢ ይኹን ሃገር የለን።

No comments:

Post a Comment