Saturday, March 31, 2018

ገዛኢ ስርዓት ኢህወዴግን ብርክት ዝበለ መዓልትታት ዝፀንሐ ኣኼብኡ ነቲ ዝፀንሐ ጠቕላይ ሚኒስተር ብቅያር ኣብዪ መሕመድ ምቕማጡን ዝተልዓለ ህዝባዊ ሕቶ ላግፂ ምዃኑ ተፈሊጡ።



እቲ ንተኸታተልቲ 8 መዓልትታት ኣብ ዕፁው ገዛ ክቶዃቶኽ ዝፀንሐ ቤትምኽሪ ፈፃሚት ስራሕ ኢህወዴግ ብዘይዝኾነ ለውጥን ኣፋፍኖትን ናብ ቤትምኽሪ ኢህወዴግ ብምምራሕ ድሕሪ ናይ 8 መዓልቲ ውዕሉኡ ነቲ ነባር ጠቕላይ ሚኒስተር ኣውሪዱ ብዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብዝገበሮ ናይ ውልቀሰባት ምውራድን ምድያብን ዝተልዓለ ህዝባዊ ሕቶን ፖሎቲካዊ ትኩሳትን ላግፂ ካብ ምዃን ሓሊፉ ለውጢየብሉን ዝብል መዘራረቢ ዛዕባ ኮይኑ ይርከብ።

መልዓሊ ሕቶን ቃልስን ህዝብታት ኢትዮጵያ ካብ ዓፋናይን መዝመዛይን ኣገዛዝኣ ስርዓት ኢህወዴግ ተገላጊሎም ጫማ ህዝቢ ኮይኑን ሕቶን ድልየትን ህዝቢ ቅልጡፍ ምላሽ ዝህብን፣  ረብሓ ሓፋሽ ዘረጋግፅ ብህዝቢ ዝተኣመነሉ ዴሞክራስያዊ ስርዓትን ምቕያር ድኣ 'ምበር ጉጅለ ኢህወዴግ ከም ስርዓት ቆይሙካ ብውሽጡ ብዝገብሮም ናይ ውልቀሰባት ሽመትምውራድን ምድያብን ለውጢ  የብሉን ብምባል ዝተፈላለዩ ወገናት ኣብ ምግላፅ ይርከቡ።   

ኣብ መወዳእታ፣ ስርዓት ኢህወዴግ ኣብ ደንደስ ገደል ኮይኑ ብዝገብሮም ዘሎ ዝተለመዱ ምንቅስቓሳትንምቅይያራትንካልኢት'ውንትኹን ዝተጀመረ ህዝባዊ ቃልስን ምልዕዓላትን ከምዘይዓግቶ፣ እኳድኣስ ዝበኣሰ ዕንወት ከየውረደ ኩላትና ደለይቲ ለውጥን ዴሞክራስን ዝኾና ኢትዮጵያውያን ቃልስናነ ሕይል ብምባል ኣብእዋናዊ ኩነታት ኣድሂቦም ዝትንትኑ ኣካላት ገሊፆም። 

 

No comments:

Post a Comment