Friday, April 27, 2018

ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ፣ ሽሮሜዳ-ኪዳነ ምሕረት ህንፀት መንገዲ ኣብ18 ኣዋርሕ ክውዳእ እዩ ተባሂሉ ነይሩ፣ ኣብቲ ዝተመደበሉ ግዜ ብዘይ ምስርሑኣብ ልዕሊ ነበርቲ ስግኣት ፈጢሩ።



  ናይ ከተማ አዲስ አበባ በዓል ስልጣን መንገዲ እቲ ኣብ ምህናፅ ዝርከብ ካብ ሽሮሜዳ ክሳብ ሃመረ ኖኅ ኪዳነ ምሕረት ቤተ ክርስቲያን ዘሎ 2.1 ኪሎ ሜትር መንገዲ ኣብ 18 ኣዋርሕ ውሽጢ ክጠናቐቕ እዩ ዋላ እንተተብሃለ፣ ክሳብ ሐዚ ጥራሕ ካብ ክልተ ዓመታት ንላዕሊ ምፅንሑ ንናይቲ ከባቢ ነበርቲ ስግኣት ከም ዝፈጠረሎም ተገሊፁ።   
  ቅድሚ ክልተ ዓመታት ብየማነ ግርማይ ናይ መንገዲ ስራሕቲ ዝተብሃለ ኩባንያ ብ208 ሚሊዮን ብር ወፃኢ ንክህነፅ ናይ አዲስ አበባ በዓል ስልጣን መንገዲ ውዕሊ ዋላ እንተኣተወ፣ ናይቲ ኩባንያ በዓል ዋና ብናይ ሙሱና ወንጀል ተጠርጢሩ ክሳብ ዝእሰሩ ማለት ክሳብ ወርሒ ነሓሰ 2009 ዓ.ም፣ እቲ ነባር መተሓላለፊ መንገድን የማነ ፀጋሙን ካብ ምሕራስ ወፃኢ እቲ ህንፀት ብዝግባእ ዘይምስርሑ ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ይገልፁ። 
  አቶ በቀለ ደጀኔን አቶ ማናየ ናደውን ዝተብሃሉ ናይቲ አባቢ ነበርቲ ከም ዝገልፁዎ፣ እቲ መንገዲ ብምፍርራሱን ኣብ ዝተወሰነሉ ግዜ ዘይምውድኡን  ፀገም ፈጢሩሎም ፀኒሑ እዩ። እቲ መንገዲ ብጣዕሚ ፀቢብ ስለ ዝነበረ ኣብቲ ከባቢ ዝነበሩ ገዛውቲ ብቅልጡፍ ንክለዓሉን እቲ ስራሕ ንክጅመርን ናይ ባዕሎም ኣስተዋፅኦ ከም ዝገበሩ ገሊፆም።
  ኮይኑ ግን ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብፍላይ ዝናብ ኣብ ዝኻፈየሉ ቁፅሪ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ መእተውን መውፅእን ስኢኖም ክሳቐዩ ከም ዝፀንሑ ኣረዲኦም።



No comments:

Post a Comment