Friday, April 27, 2018

ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዘለዋ ከተማታት ናይ ነዳዲ ሕፅረት ብምኽሳቱ ምኽንያት በቢኸባቢኡ ናይ ትራንስፖርት ኣገልግሎት ምትእጉጓል ምፍጣሩ ተገሊፁ።



  መንቀሊ ናይ ነዳዲ ሕፅረት እንታይ ከም ዝኾነ ብልክዕ እኳ እንተዘይ ተፈለጠ እቲ ሽግር ምስ ሕፅረት ሸርፊ ወፃኢ ዝተታሓሓዘ ክኸውን ከምዝክእል ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ይዛረቡ። 

  ብፍላይ ኣብ ባህርዳር፤ወረታ፤ ጎንደር፤ደብረታቦር፤ወልድያ፤ደብረማርቆስ፤ ኮሶበርን መሰል ከተማታት ቤንዚንን ናፍጣን ኣብ መዐደሊ ነዳዲታት ብዘይምህላው ናይ ትራንስፖርት ሽግር ተፈጢ ተባሂሉ።

  ናይቲ ከባቢ ነበርቲ ከም ዝገለፅዎ ዝተወሰኑ ሰብ ባጃጃት ኣብ ዙርያ ባህርዳር  ኣብ ዘለው ከተማታት ዝተወሰነ ሊትሮታት ኣምፂኦም ናይ ትራንስፖርት ታሪፍ ብምውሳኽ እንዳሰርሑ ይርከቡ ተባሂሉ።

  ኣብ ከተማ ባህርዳር ኣብ ፀግዒ ፓፒረስ ሆቴል ኣብ ዘሎ መዐደሊ ነዳዲ ኣብ ዝነበረ ሰልፊ ብጀረካን ንምቅዳሕ ዝሓተቱ መንኣሰይ ኣብቲ ቦታ ብዝነበሩ ፍሉይ ሓይሊ ፖሊስ ከም ዝተገርፉ ተሰሚዑ። ካብኡ ንዳሓር ነዳዲ ምውድኡን ብርክት ዝበላ ባጃጃት ዘለዎኦም እናዳደፍኡ ናብ መሕደሪ ስፍረኣን ከም ዝወሰድወን ተፈሊጡ።

  ካልኦት ኣብ ቀበሌ 14 የተባበሩት። ኣብ ቀበሌ10 ኣጂፕ ኣብ ቀበሌ 9 ቶታል ወሲኹ ካብ 10 ንላዕሊ መዐደሊ ነዳዲ ብዘይምህላው ካብ ኣገልግሎት ወፃኢ ኮይኖም ተባሂሉ።





No comments:

Post a Comment