Friday, April 27, 2018

ኣብ ኢትዮጵያ 8 ሚሊዮን ሕዝቢ ህፁፅ ረዲኤት እንተዘይረኺቡ ህይወቱ ኣብ ሓደጋ ከም ዘሎ ይግለፅ ኣሎ።



  ናይ ዓለም ናይ ምግቢ ፕሮግራም ኢፋ ኣብ ዝገበሮ ናይ ህፁፅ ግዜ ኣዋጅ ሪፖርት ከም ዘመላኽቶ 1.8 ሚሊዮን ናይ ሶማሌ ክልል ነበርቲ ኢትዮጵያውያን ብህይወት ንምፅናሕ ህፁፅ ናይ ምግቢ ረዲኤት የድልዮም። እቲ ሪፖርት ወሲኹ ከም ዝገለፆ፣ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና 2018 ዓመተ ምህረት ፈረንጂ 7.9 ሚሊየን ኢትዮጵያውያን ህፁፅ ናይ ምግቢ ረዲኤት የድልዮም ተባሂሉ። ምግቢ ተንከፍ ዘይኮኑ ረዲኤት እንትውስኽ ድማ ናይ ተረዳእቲ ቁፅሪ 16ሚልዮን ከም ዝበፅሕ ተሓቢሩ።  

  እዚ ናይ ተረዳእቲ ድሌት ድሌት ንምምላእ ክሳብ ዝመፅእ ወርሒ መስከረም ዘድሊ ገንዘብ 218 ሚሊዮን ናይ ኣሜሪካ ዶላር ከም ዝኾነ ተፈሊጡ።  እቲ ክሳብ ሐዚ ዝተረኸበ ድማ 125 ሚሊዮን ዶላር ከም ዝኾነ ናይ ዓለም ናይ ምግቢ ፕሮግራም ኣፍሊጡ።
  ኣብ መወዳእታ እቶም ተረዳእቲ እቲ ዝተብሃለ ረዲኤት ብሙሉኡ እንተዘይረኺቦም ህይወቶም ኣብ ሓደጋ ከም ዝኸውን ናይ ዓለም ናይ ምግቢ  ፕሮግራም ኣጠንቂቑ።


No comments:

Post a Comment